Friday, July 25, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ነበርቲ ጣብያ ዕጉብ ብሰንኪ ሕፅረት መሰረት ልምዓት ንዝተፈላልዩ ፀገማት ምቅላዖም ምንጭታትና ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነበርቲ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ጣብያ ዕጉብ ቑሸታት ዓዲ ርእሶ፤ታብር፤ዓዲ እከለን ጠረርን ዝርከቡ፤ ወገናትና ኣብ ከባቢኦም ሕክምና፤ ትምህርቲ፤ ፅርጊያን ዝኣምሳሰሉ ኣገደስቲ መሰረት ልምዓትን ከምኡ‘ውን ዘይትን  ሽኮርን ዝኣምሰሉ ቀረባት ብዘይ ምህላዎም  ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ንኸቢድ ፀገም  ስለ ዝተቓልዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ተገሊፁ፣፣

    እዞም ነበርቲ ብኣማሓዳሪ ናይታ ጣብያ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ዝተገበርሎም ኣኼባ  በብተራ  እናተልዓሉ  ከም ዝገለፅዎ “ንሕና ብሰንኪ ሕፅረት ሕክምና፤ ሕፅረት ፅርጊያን ብዙሓት ሕሙማት ንስቓይን ሞትን ይቃልዑ ኣለዉ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ  ቤት ትምህርቲ እንተኾነ’ውን  ኣብ ከባቢና  ስለ ዘየለ ደቅና ንድንቁርና ስለዝተሳጥሑ ፍታሕ ይገበረልና ክብሉ ዘቕረብዎ ጥርዓን እቲ ኣማሓዳሪ  ብወገኑ ቅድሚ ሕዚ በተደጋጋሚ ሓቢረ እየ ብዝተረፈ ባዕልኹም ዝግበር ግበሩ ክብል ከም ዝመለሰሎም ተፈሊጡ፣፣