Friday, July 25, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ መንጎኦም ናይ ብሄር ኣፈላላይ ዝመንቀሊኡ ግጭት ተፈጢሩ ምህላዉ ካብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራዊት ምኽልኻል ኢትዮጵያ  መንቀሊኡ ብዘይተፈልጠ  ብብሄርን  ዓሌትን እናተፈላለዩ ኣብ ከቢድ ቅርሕንቲ ምእታዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ከም ውፅኢቱ ድማ ብዙሓት ወተሃደራት ብሰንኪ እቲ ናይ ብሄር  ምፅልእላእ  ኣሃዱኦም እናራሕርሑ እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ ምህላዎም ተገሊፁ፣፣

    በቲ ምጥፋእ ናይቲ ሰራዊት ዝስግኡ  ኣማሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ኣይተ ልኡል ገብሩን ሓላፊ ናይቲ  ወረዳ  ሃለቃ ገረንቸአልን  ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ኣኪቦም  ካልእ መማረፂ ስለ ዘየለ ከባቢኹም ባዕልኹም ሓልዉ ክብሉ መደብ ዋላኳ እንተወረድሎም እቲ ሕብረትሰብ ብወገኑ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ሓልዩ ዘይከኣሎ ንሕና ልዕሊ ዓቕምና እዩ ክብሉ ናይ ተቓውሞ  ምላሽ ከምዝ መለስሎም  ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣