Sunday, July 27, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ናይ ጉምሩክ ሓለፍቲ ነቲ ብሽም ኩንትሮባንድ ካብ ውፁዕ ነጋዴ ዝተመንጠለ ንብረት ብለይቲ እናውፅኡ ይሸጡዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣፣



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉምሩክ ኣይተ ሃይለማርያም ዝተብሃለ ከም ቴሌቭዥንን ላፕቶፕን ዝኣመሰሉ ንብረታት ብለይቲ እናውፅአ ክሸይጥ ከም ዝፀነሐን ዘሎን ብ7 ሓምለ 2006 ዓ/ም  ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ፅሕፈት ከም ዘቃልዕዎ ተፈሊጡ፣፣

    ካብቶም ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዕዝይና ዝቃወሙ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣፍወርቂ ኣታላይ ዝተብሃለ ኣባል ናይቲ ቤት ፅሕፈት ንምንታይ ንብረት ህዝቢ ከም ድላይኩም ትሸጥዎ ኣለኹም እናበለ ይቃወሞም ብምህላዉ በዚ ምኽንያት ከዓ ኣብ’ቲ ቤት ፅሕፈት ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣፣