ካብ ማእኸላይ
እዝ ልሒኹ ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ቦኽራይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ክስልጥኑ
ዝፀንሑ መዓርጎም ካብ ሻንበል ንላዕሊ ዝኾኑ ናይ ማእከላይ እዝ መኮነናት ሰልጠንቲ ንዕኦም መሰልጠኒ ተባሂሉ ዝተመደበ ልዕሊ 600 ሽሕ ብር ባጀት ኮሎኔል ከበደ ፍቓዱ ዝተብሃለ
ናይ’ቲ ማእከል መሰልጠኒ ሓላፊ ከም ዝበልዖ ተፈሊጡ፣፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ነቶም መኮነናት ሰልጠንቲ ብ10 ሓምለ 2006
ዓ/ም ሜጀር ጀነራል የውሃንስ ወልደገርግስ መሪሑ ኣብ ዘካየደሎም ገምጋም ዝተመደበልና ባጀት ተበሊዑ ምስ በልዎ ንሕና ባጀት
በጂትና ኢና እቲ ዝምልከቶ ኣካል ይተሓተተሉ ዝብል ዘየዕግብ መልሲ ምስ ሃቦም ብርክት ዝበሉ ሰልጠንቲ መኮነናት ኣብ ከቢድ
ስምዒት ኣትዮም ከም ዘለው ተፈሊጡ።