Sunday, July 27, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ዓዲ ነብሪ-ኢድ ዝረከቡ ኣብ ምምራሕ መኪና ዝተዋፈሩ ወተሃደራት እቲ ስርዓት ዝፀዓንዎ ነዳዲ ብምሻጥ ንውልቃዊ ረብሓኦም የውዕልዎ ምህላዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፣፣



እቶም ኣብ ከባቢ ዓዲ ነብሪ-ኢድ ዝርከቡ ወተሃደራት ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ ሰራዊት ዘገልግላ መኻይን መንቀሳቐሲ  ተባሂሉ በቲ ምክልኻል ዝለኣኽ ነዳዲ ብምሻጥ ንውልቆም ይጥቀምሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብኣቶም ሓደ ብቑፅሪ ታርጋ 02066 ትፍለጥ ወተሃደራዊት ቦጥ መኪና ዝመርሕ ወተሃደር ነቲ ፂዒናቶ ዝነበረት ነዳዲ  ንሲቪላት ብምሻጥ ኣብ ወልቃዊ ጥቕሙ ከም ዘውዓሎ ተፈሊጡ፣፣

     እዚ  ኣባል ምኽልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ዝኾነ  መራሒ  መኪና  ነቲ ፂዕንዎ ዝነበረ ነዳዲ ብ12 ሓምለ 2006 ዓ/ም ካብ ዓዲ ነብሪ ኢድ ናብ ማይ ዓሶ ዝተበሃለ  ከባቢ ከብፅሖ ዝተዋሃቦ ነዳዲ ናብ’ቲ ቦታ ከይበፀሐ ንሓንቲ ጀሪከን ነዳዲ ብሒሳብ 350 ብር ንሲቪላት ከም ዝሸጦ   ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  እዚ ናይ ግዕዝና ኣሰራርሓ  ኢድ  ላዕለዎት ሓለፍቱ ይህልዎ ዝብል እምነት ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸብ ሓበሬታ የረድእ፣፣