እቶም
ኣብ ከባቢ ዓዲ ነብሪ-ኢድ ዝርከቡ ወተሃደራት ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ ሰራዊት ዘገልግላ መኻይን መንቀሳቐሲ ተባሂሉ በቲ ምክልኻል ዝለኣኽ ነዳዲ ብምሻጥ ንውልቆም ይጥቀምሉ ምህላዎም
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብኣቶም ሓደ ብቑፅሪ ታርጋ 02066 ትፍለጥ ወተሃደራዊት ቦጥ መኪና ዝመርሕ ወተሃደር ነቲ ፂዒናቶ
ዝነበረት ነዳዲ ንሲቪላት ብምሻጥ ኣብ ወልቃዊ ጥቕሙ ከም ዘውዓሎ
ተፈሊጡ፣፣
እዚ ኣባል ምኽልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ዝኾነ መራሒ
መኪና ነቲ ፂዕንዎ ዝነበረ ነዳዲ ብ12 ሓምለ 2006
ዓ/ም ካብ ዓዲ ነብሪ ኢድ ናብ ማይ ዓሶ ዝተበሃለ ከባቢ ከብፅሖ
ዝተዋሃቦ ነዳዲ ናብ’ቲ ቦታ ከይበፀሐ ንሓንቲ ጀሪከን ነዳዲ ብሒሳብ 350 ብር ንሲቪላት ከም ዝሸጦ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እዚ ናይ ግዕዝና ኣሰራርሓ ኢድ
ላዕለዎት ሓለፍቱ ይህልዎ ዝብል እምነት ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸብ ሓበሬታ የረድእ፣፣