Thursday, July 17, 2014

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ሲራጅ ፈርጌሳን ጀነራል ሳሞራ ዩኑስን እናተመርሐ ዝተኻየደ ናይ ጀኔራላት ኣኼባ ኣብ መንጎኦም ሓያል ዕግርግር ከም ዝተፈጠረ ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተሉ ምንጭታትና ሓቢሮም፣፣



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ብስራጅ ፈርጌሳን ጀነራል ሳሞራ ዩኑስን እናተመርሐ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ጀነራላት ኣኼባ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብዛዕባ ናይ’ቶም ዝተቐነሱ ወተሃደራት ምስንባትን ንመተካእትኦም ተባሂሉ ሓደሽቲ ሰልጠንቲ ንምእታዉ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣመላምላን በቶም ተኣከብቲ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ምስተገለፀ እቲ ኣኼባ ብዕግርግር ከም ዝተዛዘመ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣፣
   
    እቶም ተኣከብቲ ጀነራላት እቲ ኣብ ወረዳታት  ብኣስገዳድ መንእሰያት ናብ ውትድርና ክኣትው ዝግበር ዘሎ ሕጋውነት የብሉን፤ብገንዘብን ካልእን እናተዓሻሸኻ ንምእታዉ ዝግበር ዘሎ ክተርፍ ኣለዎ ብምባል ንሓሳብ ሳሞራ ዩኑስ ስለ ዝተቓወምዎ በዚ ዝተበገሰ ድማ ጀነራል ሳሞራ ዩኑስ ነቲ ኣኼባ ክመርሖ ተፀጊሙ ናይ ሕሉፍ እናምፀአ ከናእሶምን ከፈራርሖምን ከም ዝፈተነን ተፈሊጡ።  
  
   ቅድሚ ሕዚ ሳሞራ ዩኑስ ዝመርሖ ዝነበረ ኣኼባታት ምስኡ ኮይኖም ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ኮሚቴ ኣቚሞም ’ኳ እንተነበሩ እቶም ኮሚቴ ብሓሳብን ብኢድ ብልጫን ኣብ ውሳነ ስለ ዝሳዕርዎ ንዕኦም ብምፍራስ ነቲ ኣኼባ ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ስራጅ ፈርጌሳ ብምዃን ክመርሖ ምስ ፈተነ በቶም ተኣከብቲ ሓያል ተቓዉሞ ተላዒሉ ሳሞራ ኣምባገነን ኢኻ፤ ውረድ ካብ ስልጣንካ ክሳብ ምርኩስ ትሕዝ ዲኻ ትፅበ ዘለኻ ከም ዝበልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

 ኣብ መወዳእታ በዚ ዝነደረ ሳሞራ ነቲ መድረኽ እናፈራረሐን እናጉባዕበዐን ይመርሕ ስለ ዝነበረ በዚ ድማ ኣብ መንጎ ተኣከብትን ኣከብትን ብሓሳብ ተረሓሕቖም ብዘይምርድድኦም ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ዝወፁ ጀኔራልት ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምግላፅ ካብኣቶም ሓደ ጄነራል ፍሰሃ ኪዳነ (ፍስሃ ማንጁስ) ዝተባህለ ኣብ ዓፋር መንእሰያት ዘገድድ ዝነበረ ከም ዝርከቦም እቲ ሓበሬታ የረድእ፣፣