Friday, July 25, 2014

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣብ ግዕዝይናን ካልእ ዘይሕጋዊ ስራሕትን ተዋፊሮም ከም ዘለው ተፈሊጡ፣፣



እሙናት ምንጭታትና ካብታ ወረዳ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ዝኾነ ኩማንደር ዝናቡ ካብቲ የገልግሎ ኣለኹ ዝብሎ ዘሎ ውፁዕ ህዝብና ዘይተኣደነ ጉቦ ኣብ ምቕባልን ሰባት ናብ ሱዳን ኣብ ምስግጋርን ተፀሚዱ ከም ዝፀንሐ ተገሊፁ፣፣

   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኩማንደር ዝናቡ ምስቲ ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ገበን እናሰርሐ ብህዝቢ ተኸሲሱ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለ ኣዛዚ ፖሊስ ኩማንደር ይርጋለም ምትእስሳር ከም ዝነበሮምን እዚ ድማ ተታሒዙ ክሕተተልና ኣለዎ ክብል ህዝቢ ጥርዓኑ የቕርብ ከም ዘሎ ኣረዲኡ፣፣

    ብተመሳሳሊ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝሰርሕ መርማሪ ፖሊስ ሳጅን ዓወት መንገሻ ዝተብሃለ ብጉቦን ግበረለይ ክገብረልካን ፍትሒ ብገንዘብ ይሸጦ ከም ዘሎ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እናፈለጡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕዚ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱሉ ስለ ዘይከኣሉ እቲ ፀገም ይቕፅል ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተካኢሉ፣፣