Friday, July 25, 2014

ሓረስቶት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ፍትሓዉነት ብዝጎደሎ ምሕደራ ሕርሻ መሬት ስርዓት ኢህወዴግ ብ9 ሓምለ 2006 ዓ.ም ከም ዝተጋጨዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፣፣



እቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ግጨዉ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ኣብ መንጎ ሓረስቶት ክልል ትግራይን ኣምሓራን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ባእሲ መንቀሊኡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣመሓደርትን ካድረታትን ብዝኽተልዎ ዘለዉ ግልፅነት ዘይብሉ ምሕደራ ናይ ሕርሻ መሬት። ነበርቲ ክልትኡ ክልላት ብይግባኣኒ ይሰሓሓቡ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ብቐረባ ዝኣሊ ኣካል ብዘይምህላዉ ዝተወለዐ ግጨት ከም ዝኾነ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
እቲ ብተንኮል ስበ ስልጣን ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልትኡ ክልላት ኣጋጢሙ ዘሎ ባእሲ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ስለ ዝበፀሐ ነቲ ኩነታት ከርጋግኡ ተባሂሎም ካብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ዝተለኣኹ ፍሉያት ሓይሊ ናይ’ቲ ስርዓት ተረዳድኦም ብዘይምስርሖም ባዕሎም ንባዕሎም ተዋጊኣኦም ካብ’ቶም ናይ ኣምሓራ 3 ሞይቶም ልዕሊ 5 ከዓ ክቖስልዎም እንተለዉ ካብ’ቶም ናይ ትግራይ ድማ ሓደ ክንፈ ሓጎስ ዝተበሃለ ክመዉት እንተሎ ኣግደዉ ታምሩ ዝብሃል ድማ ከም ዝቐሰሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣፣
 ስርዓት ኢህወዴግ ብዝኽተሎ ዘሎ  ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ፖሊስኡ  ህዝቢ መሬት ዝመንቀሊኡ ቀፃሊ ኣብ መንጎ ምስሕሓብን ምቅታልን ዝፀነሐ እንተኾን ሕዚ ‘ዉን ብዝከፈአ መልክዑ ይቕፅል ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣