Saturday, August 9, 2014

ኣብ ክልል ቤንሽንጉል ጉሙዝ ወረዳ ሶጌ ሓደ ናይ ኢንቨስትመንት ትካል ዋና መኽዝን ብናይ መንግስቲ ዕጡቛት ተወቒዑ እንትቃፀል ሓደ ሰብ ድማ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።



    ኣብ ወረዳ ሶጌ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝተዋፈሩ ወነንቲ “ሕርሻ ልምዓት ራስ ዳሽን” ዝተብሃለ ትካል ኣቶ ሞላን ኣቶ ኣለማየሁ ዝተብሃሉ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዝተውሃቦም ልዕሊ 1800 ሄክታር መሬት ሕርሻ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝኾነ ግብሪ ምስ ተሓተቱ “ነቲ እነልምዐሉ ዘለና 605 ሄክታር ጥራሕ ግብሪ ክንከፍል ‘ምበር ናይ 1800 ሄክታር ኣይንኸፍልን” ብምባሎም ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ብ10 ሓምለ 2006 ዓ/ም ኣርባዕተ ሰዓት ናይ ምሸት ምስ ናይ መንግስቲ ዕጡቛት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ናይ’ቲ ትካል መኽዝን ምስ ሙሉእ ንብረቱ ተቓፂሉ እንትዓኑ ሓላፊ ፋይናንስ ናይ’ቲ ትካል ኣቶ ሚልዮን ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ድማ ብጥይት ተወቒዑ ከም ዝሞተ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

 ካብ’ቶም በቲ ተኹሲ ዝዓነዉ ንብረታት ካብ 200 ኩንታል ንላዕሊ ዓይኒ ዓተርን ምሸላን ካልእ ዘይተነፀረ ኣብ’ቲ መኽዚን ዝነበረ እኽልን ከም ዝርከቦ ተፈሊጡ።

  ብተመሳሳሊ “ጉግኖ ሕርሻ ልምዓት” ኣብ ናይ ዝተብሃለ  ትካል ቤት ፅሕፈት ኣብ’ቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ዕጡቛት ናይ’ቲ ስርዓት 4 ጥይት ተኲሶም ካብ’ቲ ቤት ፅሕፈት ዝወፀ ሰብ ብዘይ ምንባሩ ተመሊሶም ከም ዝኸዱ ምንጭታትና ኣረዲኦም።

  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ናይቲ ትካል መካየዲ ስራሕ ኣቶ ከድርን ሰብ ዋና ናይቲ ትካል አቶ አለማየሁን አቶ ሞላን ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይቲ ክልል ክሲ ኣብ ዘቕረብሉ “ንኻልኣይ ግዜ ከምዚ ዓይነት ክሲ ሒዝኩም ከይትመፁ” ተባሂሎም ብከቢድ መጠንቀቕታ ከም ዝተባረሩ ኣረዲኡ።