Saturday, August 9, 2014

ኣብዚ ቅንያት እዚ ንምሕደራ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ተፀንቢሮም።



ካብቶም ኣብዚ ቅንያት እዚ ናብ ዴምህት ዝተፀንበሩ መንእሰያት ናይ ዝተወሰኑ ኣስማት ንምጥቃስ፦
-  ኪሮስ ተወለ ሃይለ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ማይ ሓማቶ
-  ዓወት ገብረማርያም ገብረኪዳን ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ደጎዝ
-  ኢፍሬም ለኣከ ወሉ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ራማ
-  ኣላይ ተኹሉ ቦራ፤ ፍሻለ በይን ገረህላሰ፤ ገብረሂወት ሃይለ ገብረን
ኣብረሃለይ ታደሰ ተስፉን ካብ ዞባ ስ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ምድረ ፈላሲ
-  ኣለም በሪሁ ገብረየሱስ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኾዳ ጣብያ ኣዲስ ተስፋ
-  ቴዲ ፍትዊ በርሀን ገብረስላሰ ፍሰሃ ተኽላይን ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ዓዲ ፍታው
-  ጉዕሽ በርሀ ገብረምካኤል ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን
-  ጉዕሽ ኣረጋዊ ተኹሉ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ሃፍቶም
-  የማነ ኣለነ ገብረመስቀል ካብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ-ክልተ
-  ገዳሙ ንጉሰ ገብርሄት ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወዲ ዓንበራይ
-  ኪሮስ ነጋሲ ወልደገብሪኤል ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሆያ-መደብ እዚኦምን ካልኦትን እንትኾኑ።
   እዞም መናእሰይ ናብ ዴምህት ተሰሊፎም ንኽቃለሱ ዘገደዶም ምኽንያት እንተብርሁ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሕብረተሰብና ሰላም ዝበሃል የለን ምስ’ቲ ዝመፅእ ዓመት ዝካየድ ሙስሉይ ሃገራዊ ምረፃ ተተሓሒዙ ብዙሕ ሰብ ደጋፊ ተቓወምቲ ውድባት ኢኻ እናተብሃለ ብሕቡእን ብግልፅን ይእሰርን ይገላታዕን ምህላው ገሊፆም።
ብፍላይ ድማ መንእሰይ ዓወት ገብረማርያም ካብ’ቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስደት ነይሮም ዝተመለሱ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ወረድና ኣብ ወረዳኹም ምስ ከድኩም መትከሊ እግሪ ገንዘብ ክወሃበኩም እዩ ኢሉ ናይ ተስፋ እንጀራ ኣስኒቑ ኣፋንዩና እንተብቅዕ፥ ኣብ ወረዳና ከዲና ምስ ሓተትና ግና ብነፃ ዝወሃበኩም ገንዘብ የለን እንተደሊኹም ብጉጅለ ተወዲብኩም ኣብ ደ.ኣ.ን.ት ብምምዝጋብ ልቓሕ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም ኢሎም ዝተኣተወሎም ቃል ከም ዘይተተግበረ ገሊፁ።
መንእሰይ ዓወት ወሲኹ ልቓሕ ገንዘብ ወሲዶም ናብ ዘይተደለየ ዕዳ ክኣትው ስለ ዘይደለዩ ልቓሕ ኣይንደልን ብምባል ብናይ ባዕሎም ገንዘብ ኣናእሽተይ ንግዲ ስራሕ ኣብ ጀመርሉ ምኽንያታት እናፈጠሩ ከስርሕዎም ስለ ዘይከኣሉ በዚ ተማሪሩ ድማ መፍትሒ ወፅዓ ቃልሲ ምዃኑ ብምእማን ናብ ዴምህት ከም ዝተሰለፈ ኣረዲኡ።