Saturday, November 1, 2014

ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ዝሰተ ፅሩይ ማይ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ገሊፆም፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ነበርቲ ከተማ መቐለ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ግዜታት ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ መላእ እታ ከተማ ካብ 18 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ። ህዝቢ ንዝስተ ይኹን መብሰሊ ምግቢ ዝዉዕል ፅሩይ ማይ ስኢኑ ተፀጊሙ ኣብ ዝርከበሉ። ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብተደጋጋሚ ጥርዓናት ዋላ’ኳ እንተቕረበ ምምሕዳር እታ ከተማ ግን ዝወሰዶ ፍታሕ ከም ዘየሎ ተፈሊጡ፣

   በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝፈጠሮ ፀገም ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ኣብ ዝጥቀምሉ ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት  ኣዝዮም ተጠቒዖም ከም ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፦ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ ድማ ካብ ከባቢታት ክልተ ኣውላዕሎ፤ ገረብ ግባን ማይ መኽደንን ብመኪና የምፅኡ ኣብ ዘለዉሉ እቲ ድኻ ሕብረተሰብ ግን ናብ ዘብሎ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣