Saturday, November 1, 2014

ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ጠለብ ህዝቢ ንምምላእ ካብ ናይ ባዕልና ፋብሪካታት ሽኮር ክነቕርብ ክኢልና ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነዝሕዎ ወረ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ፣




  ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ኣብ ሚድያታቶምን ባዕሎም ዘዳለዉዎ መድረኻትን ቀሪቦም ካብ ናይ ባዕልና ፋብሪካታት ዝፈረየ ልዕሊ 10 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ናብ ህዝብና ብምቕራብ። ነቲ ተፈጢሩ ዝፀንሐ ሕፅረት ብምሽፋን ዕዳጋ ክረጋጋ ኣኽኢሉና ክብሉ ዝሃብዎ ሓሳብ ውፁእ ሓሶት ምዃኑ  ምንጭትትና ኣቃሊዖም፣

  ከም ሓበሬታ ምንጭትትና። እቶም ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ዝብልዎ ዘለዉ ሽኮር ኣብ ናይ ባዕሎም ፋብሪካታት ዝፈረየ ዘይኮነስ። ካብ ደገፍትን ሓብሓብትን እቲ ገዛኢ ጉጅለ ዝኾኑ ካድረታቶምን ኣባላቶምን ከምኡ’ዉን መሻርኽቶም ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ነጋዶ ብዝተፈላለየ ሻጥር ከዚነሞ ዝፀንሑ ሽኮር ኮይኑ። ህዝቢ ናዕቢ ከየልዓለ ቀልጥፉ ርድኡና ብምባል ኣተኣኻኺቦም ዘቕረብዎ ምዃኑ ተፈሊጡ፣