ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ኣብ ሚድያታቶምን ባዕሎም
ዘዳለዉዎ መድረኻትን ቀሪቦም ካብ ናይ ባዕልና ፋብሪካታት ዝፈረየ ልዕሊ 10 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ናብ ህዝብና ብምቕራብ። ነቲ
ተፈጢሩ ዝፀንሐ ሕፅረት ብምሽፋን ዕዳጋ ክረጋጋእ ኣኽኢሉና
ክብሉ ዝሃብዎ ሓሳብ ውፁእ ሓሶት ምዃኑ ምንጭትትና ኣቃሊዖም፣
ከም ሓበሬታ ምንጭትትና። እቶም ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ዝብልዎ ዘለዉ
ሽኮር ኣብ ናይ ባዕሎም ፋብሪካታት ዝፈረየ ዘይኮነስ። ካብ ደገፍትን ሓብሓብትን እቲ ገዛኢ ጉጅለ ዝኾኑ ካድረታቶምን ኣባላቶምን
ከምኡ’ዉን መሻርኽቶም ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ነጋዶ ብዝተፈላለየ ሻጥር ከዚነሞ ዝፀንሑ ሽኮር ኮይኑ። ህዝቢ ናዕቢ ከየልዓለ ቀልጥፉ
ርድኡና ብምባል ኣተኣኻኺቦም ዘቕረብዎ ምዃኑ ተፈሊጡ፣