Saturday, November 1, 2014

ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢህወዴግ ኣብ መንጎኦም ዘይምቅዳው ተፈጢሩ ከም ዘሎ ካብ’ቲ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ባዳ ዝርከብ  ሰራዊት ኢህወዴግ ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ። ሕድ ሕዶም ምስምማዕ ከም ዘየብሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብኣቶም ሓደ ሻለቃ ወለምህረት ዝተብሃለ  ናይ ሰሜን እዝ ኣባል ስለያ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀነሐ  እንትኾን። ኣብ  ከተማ በራሕለ   ብምኻድ  ዜጋታት ንኽጨዊ ብልዕሊኡ ብዘለዉ መራሕቲ ዝወረድሉ መደብ  ንሱ ስለ ዘይኣመነሉ ኣየተግብርን ብምባል  ነቲ መምርሒ ከም ዝነፀጎ ተፈሊጡ፣

    በዚ ዝተቆጥዑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ፤ ሻለቓ ወለምሕረት ንመቐለ ብምውሳድ  ካብቲ ክሰርሓሉ ዝፀነሐ ስራሕ ክባረር ዝተገበረ እንትኾን። ነዚ ናይ ምስጓግ ተግባር ንኽፈፀም ትእዛዝ ዝሃበ ድማ ኮሌኔል  ኣብራሃም ማውጫ ዝተበሃለ ሓላፊ ስለላ ሰሜን እዚ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወስኹ  ገሊፁ፣