Sunday, November 16, 2014

ተወለድቲ ከባቢ ባድመ ብሽም ሰፈራ በቲ ስርዓት መረበቶም ገዲፎም ዝተወሰዱ ወገናትና ቤተሰቦም ንምሕታት እንትምለሱ። ምስ ተቓወምቲ ንምርኻብ መፂኹም እናተብሃሉ በቲ ገዛኢ ጉጅለ ይጨወዩ ምህላዎም ተገሊፁ፣




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ተወለድቲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ ባድመ  ዝኾኑ ወገናትና። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ስርዓት ፀገምኩም  ክትፈትሑ ብዝብል ምኽኒት  ካብ መረበቶም ኣፈናቒሉ እድሪስ ናብ ዝተብሃለ ቦታ ከም ዝወሰዶም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  ቤተሰቦም ንምሕታት ኣብ ዝምለስሉ እዋን ድማ  ምስ ተቓወምቲ ንምርኻብ መፂኹም እናተብሃሉ ብኣመሓደርትን ኣካላት ፀጥታን እቲ ስርዓት ተጨዉዮም ከም ዝተወሰዱ  ተፈሊጡ፣
 
     እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንብዙሕ እዋናት ተፈልዮም ፀኒሖም ኩነታት ህልዉና ቤተሰቦም ንምሕታት ብምምላሶም ብዓይኒ ጥርጣረ ተራእዮም ካብ ዝተጨወዩ። ተኽለማርያም ኣሰፋ ዝተብሃለ ዝርከቦም ብካደረታት ምስ ተጨወዩ። ስደረኦም  ክሳብ ሕዚ ሃለዋቶም  ክፈልጡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣