Sunday, November 16, 2014

ሰበ ስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ብደረጃ ትግራይ ኣመሓደርቲ ጣብያ፤ ወረዳን ዞባን ዝሳተፍሉ ዘካየድዎ ኣኼባ። ህዝቢ ተቓዉሞ ከየልዕል ጥቡቕ ሓለዋ ክግበር እኳ እንተተመፃደቑ ተቐባልነት ከም ዘይረኸቡ ተሓቢሩ፣




   ኣብቲ ኣኼባታት ዝተሳተፉ ምንጭታትና ከም ዝገለፅዎ። ኣብ’ቲ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ እናተኣለየ ዝተኻየደ ኣኼባ። ከም ቀንዲ  ሒዘሞ ዝቐረቡ ኣጀንዳ፤ ንስኹም ሓዱሽ ወለዶ ስለ ዝኾንኩም ስልጣን ናሃትኩም እዩ ከምኡ’ዉን ህዝቢ ኣንፃር ህወሓት- ኢህወዴግ ተቓዉሞ ከየልዕልን ብተቓወምቲ ዝቐርብ ንመርፃ ዝምልከት ጎስጓስ ከይሰምዕን ከይድግፍን ብቐረባ ኮይኖም ክከታተሉን ከም ዘለዎም ዝምልከት እኳ እንተነበረ ብወገን ተኣከብቲ ግን ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተፈሊጡ፣

ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። እቶም ተኣከብቲ ካብ ዘልዓልዎም ሓሳባት። መንግስቲ ምስ ህዝቢ ከይተረዳድአን ብዘይ ዝኾነ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን ገዛዉቲ ብተደጋጋሚ ምፍራሱን ብህዝቢ ዝተመረፀ ገዲፍኩም ባዕልኹም ዝመረፅኩሞም ሰባት ብምሻምኩን ካልእን ህዝቢ ፀሊኡና እዩ ዘሎ፥ ሕዚ ህዝቢ ምስ ፈንፈነኩም ስልጣን ንዓኻትኩም እዩ ተረከቡ ትብሉና ክሳብ ሎሚ ኣበይ ፀኒሕኹም ዘይመስል ኣይትዛረቡና ከም ዝበልዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣