እዞም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ብማሕበር ተወዲቦም ካብ ወርሒ
ግንቦት 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ን8ተ ኣዋርሕ ዝኣክል ሰሪሖም።
እንተኾነ ግን እቲ ንኽሰርሑ ውዕሊ ስራሕ ዘኣተወሎም ናይ ምክልኻል
ኩባንያ ኮንትራክተር። ብዝኣተወሎም ውዕል መሰረት መሃያ ክኸፍሎም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ኣይከፍልን ከም ዝበሎም
ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። እቶም ብማሕበር ዝተወደቡ ልዕሊ 500 ዝኾኑ
ሰራሕተኛታት ካብ መፈለምትኡ ወዲቦም ዝመርሕዎም ኮለኔል ሙላውን ኮለኔል ሃይለ ምላዉን ዝተብሃሉ እንትኾኑ። ነቲ ስራሕ ኩንትራት ምስ ኣብቲ ግድብ ዝሰርሕ ናይ ምክልኻል ኩባንያ
ባዕሉ መሃያ ክኸፍሎም ምዃኑ ውዕሊ ኣሲርሎም እኳ እንተነበረ። ሕዚ ግን ዋጋ ረሃፆምን ኣይከፍልን ስለ ዝበሎም ኣብ ቤት ፍርዲ
ከሲሶም ብዘይ ሓደ ፍታሕ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባል ከም ዝርከቡ ገሊፁ፣