Thursday, November 20, 2014

ኣብ ግድብ ኣባይ ብማሕበር ተወዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑ ወገናት። ዋጋ ስርሖም ዝኸፍሎም ኣካል ከም ዝሰኣኑ ምንጭታትና ሓቢሮም፣




   እዞም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ብማሕበር ተወዲቦም ካብ ወርሒ ግንቦት  2006 ዓ/ም ጀሚሮም  ን8 ኣዋርሕ  ዝኣክል  ሰሪሖም። እንተኾነ ግን እቲ ንኽሰርሑ ውዕሊ ስራሕ ዘኣተወሎም ናይ ምክልኻል  ኩባንያ ኮንትራክተር። ብዝኣተወሎም ውዕል መሰረት መሃያ ክኸፍሎም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ኣይከፍልን ከም ዝበሎም ተፈሊጡ፣

  እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። እቶም ብማሕበር ዝተወደቡ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ካብ መፈለምትኡ ወዲቦም ዝመርሕዎም ኮለኔል ሙላውን ኮለኔል ሃይለ ምላዉን ዝተብሃሉ  እንትኾኑ። ነቲ ስራሕ ኩንትራት ምስ ኣብቲ ግድብ ዝሰርሕ ናይ ምክልኻል ኩባንያ ባዕሉ መሃያ ክኸፍሎም ምዃኑ ውዕሊ ኣሲርሎም እኳ እንተነበረ። ሕዚ ግን ዋጋ ረሃፆምን ኣይከፍልን ስለ ዝበሎም ኣብ ቤት ፍርዲ ከሲሶም ብዘይ ሓደ ፍታሕ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባል ከም ዝርከቡ ገሊፁ፣