Thursday, November 20, 2014

መሪሕነት ጉጅለ ኢህወደግ ናይ 7ተ ዓመት ኣገልግሎቶም ንዝወድኡ ኣባላት ሰራዊት። ኣሰናብቱና ንዝብል ሕትኦም ብምጉሳይ ብሓይሊ ኣገዲዶም ዳግም ከም ዘፈረምዎም ተገሊፁ፣




 ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢህወደግ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ’ቲ ምኽልኻል ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ናይ 7 ዓመት ፌርማና ወዲእና ስለ ዘለና ናብራና ክንመርሕ ኣሰናብቱና ብምባል ብተደጋጋሚ ክሓቱ ከም ዝፀንሑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ግን ግቡእ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ። ካልእ መታለሊ ጎስጓሳት ኣካይዶም ምዃን ምስ ኣበዮም  ዳግማይ ንዝመፅእ ን7 ዓመት ብሓይሊ ኣገዲዶም ከም ዘፈረምዎም ተፈሊጡ፣

ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቲ ሰራዊት ነቲ  ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ብምቅዋም። እቲ ብዛዕባ መሰል ዝምልከት ባዕልኹም ትዛረብሉ ድኣ ኣበይ ኣሎ ብምባል። ምስ ሓለፍቱ ኣብ ሓያል ስምዒትን ምስሕሓብን ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣