Sunday, November 16, 2014

ኣብ ከባቢታት ኣብርሃ ጀራን ዳንሻን ዝርከቡ ኣባላት ሰላማዊ ቃልሲ ናይ ዘካይዱ ውድባት። መቃለሲኦም ዕላማ ንህዝቢ ሰለ ዘፋለጡ ጥራሕ ይእሰሩ ምህላዎም ተገሊፁ፣




    እቶም ኣባላት ውድባት ተቓወምቲ ኣንድነትን ዓረናን ብ24 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም  ናብ ከባቢታት ኣብርሃ ጅራን ዳንሻን ብምኻድ ህዝቢ ኣኪቦም ጎስጓስ ንምክያድ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን። ብካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ  ይእሰሩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብ’ቶም  ዝተኣስሩ ኣባላት ተቓወምቲ ውድብ ዓረና ዝኾኑ ኣይተ ኣንዳው ተገኝ፤ ኣይተ  እንግዳው  ዋኘው፤ ኣይተ ኣባይ ዘወዱ ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ፣

      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ።  ነቲ ሕጋዉነት ዘይብሉ ተግባር ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢ ብወገኑ ሰለ ምንታይ ትኣስርዎም ኣለኹም? ብምባል ብተኹሲ ዝተዓጀበ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ሰለ ዘካየደ ንግዚኡ ካብ ምእሳር ዋላኳ እንተትረፍዎም። እቲ ህዝቢ ነናብ ገዝኡ ምስ ተበተነ ግን ፌደራል ፖሊስ ኣዘንጊዖም ጨወዮም  ከም ዝወሰድዎም ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ገሊፆም፣

    ብተመሳሳሊ ኣብ መሰመር ጎንደር ዳንሻ ፉሉይ ሽሙ ሰሮቛ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ። ንግዚኡ ሹሞም ዘይተፈልጡ 8ወገናት ብፌደራል ፖሊስ  ተጨውዮም ከም ዝተወሰዱ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣