Saturday, November 29, 2014

መስመር ኢህወደግ መሰል ህዝቢ አየረጋግፅን!!



መራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ ንዝኽተልዎ መስመርን ዕላማን እናግዘፉን እናፀባበቑን ብመጠን ኣብ ወረቐት ኮሓሒሎም ዘስፍርዎ አብ ምትግባሩ ግን ዋላ ሓንቲ ፋይዳ ዘየምፃኡ ምኻኖም ኣብ ውሽጢ ‘ዞም ዝሓለፉ 23 ናይ ዕድመ ስልጣኖም ተረጋጊፁ’ዩ።
     እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣስፊረዮም ብዝብሎም ስማውያን መትከላትን፤ ደንቢ፤ ሕግን ስርዓትን መሰረት መሰል ህዝቢ ከም ዘይተኸበረ፤ መላእ ህዝቢ በቶም ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ዓንቀፃት ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰሉ ከም ዘይተኸበረ፤ እቲ ስርዓት’ውን በቲ ዝረቐቐ    ሕገ-መንግስቲ ተማእኺሉን ንዕዑ ተገዛኢ ኮይኑ ከም ዝኸይድን ገይሩ እኳ እንተገለፀ እቲ ሓቂ ግን ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ኣዝዩ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ።
     ስርዓት ኢህወደግ መሰል ህዝቢ ዘየኽብር፤ ፍትሓዊ እሰራርሓ ዘይኽተል፤ ብኽራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባ ዝተጨማለቐ፤ ኣድልዎን ወገናውነትን ከም ልሙድ ኣሰራርሓ ዝኽተል፤ ብሓፈሻ ዓፋንን ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ኣካይዳታት ዝጥቀም ጉጅለ ምዃኑ ካብ ብዓንተውኡ ዝፍለጥን ሕዝውን ነቲ ፀረ ህዝቢ ኣካይድኡ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ከም ዘሎን ገለ ኣብነታት ምቕራብ ኣገዳሲ ‘ዩ።
*   ምስ መረፃ 2007 ዓ/ም ተተሓሒዙ ብፍላይ የስጉኡኒ እዮም ንዝበሎም ተቓወምቲ ውድባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክዳኸሙ ንምግባር ኣጠናኺሩ ይንቀሳቐሰሉ ከም ዘሎን ከም መቐፀልታ ድማ ኣብ  ክልል ትግራይ፤ ኣብ ከባቢ ዳንሻ አባላት ውድብ ኣንድነት ንህዝቢ ጎስጋስ ይገብሩ አብ ዝነበርሉ እዋን ብህዝቢ ተቐባልነት ስለዝረኸቡ ብካድረታት ወያነ ከም ዝተጨውዩን  ከም ዝተአስሩን፤
*   ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ንአባላት ውድብ ዓረና ትግራይ ፓምፕሌት በቲንኩም ብዝብል ጠቕነ። ፖሊሳት ብምውፋር ይኣስርዎምን የሳቕዩዎምን ምህላዎምን ዝኾነ ሰብ ተቓወምቲ ኣብ ዝፀውዕዎ አኼባ ከይሳተፍ ፅኑዕ መምርሒ ምውራዱ፤
*   ናይ’ቲ ስርዓት ላዕለዎት ናይ ሰራዊት ኣዘዝቲ ብናይ ህዝቢ ሃፍቲ ንስራሕ ተባሂሉ ንዝተዓደገ ነዳድን ካልኦት ንብረትን እናሸጡ ንውልቆም ይጥቀምሉ ምህላዎም፤ በዚ መሰረት ድማ ከምኒ ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ብርሃን ( ወዲ ጎጀላ ) ንስራሕ መሳለጢ ተባሂሉ ንዝተረከቦ ናይ ሓንቲ ቦጥ ምሉእ ነዳዲ ሽይጡ ኣማኢት ኣሻሓት ገንዘብ ናብ ውልቀ ረብሕኡ ከም ዘውዓሎ፤
*   አብ ግድብ ኣባይ ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ብማሕበር ተወዲቦም ክሰርሑ ንዝፀንሑ ሰራሕተኛታት ኣስራሒኦም ዝኾነ ናይ ምክልኻል ኮንትራክተር ብዝኣተወሎም ውዕል መሰረት መሃየኦም ክህቦም ከም ዘይከአለ፤
*   ናይ 7 ዓመት ኣገልግለቶም ዝወድኡ ወተሃደራት ኣሰናብቱና ኢሎም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ሰብ ስልጣን እቲ ስርዓት ግን ግቡእ መልሲ ኣብ ክንድ ምሃብ ካልእ መታለሊ ጎስጓስ ብምቕራብ ኣገዲዶም ዳግም ን7 ዓመት ክፀንሑ ከም ዝገበርዎም ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም፣
    ተግባር እዚ ስርዓት ከምዚ እናሃለወ ደአ ንምንታይ’ዩ ወግሐ ፀብሐ ብዛዓባ ፍትሕን ምኽባር መሰል ህዝብን ኣመልኪቱ ኣብ ፈቖዶ መድረኻት ኣርእስታት እናኸፈተ ዝምደር እንተደኣ ተባሂሉ ግን ቀጥታዊ መልሱ ንገዛእ ዜጋታቱን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣደናጊሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ’ዩ ዝብል ምላሽ ዝውክሎ እዩ፣
     ስለዚ! እዚ ኢ-ፍትሃውን መሰል ህዝቢ ዝዕፍንን ዘሎ ስርዓት ካብ ሃገርና ንሓዋሩ ንምእላይ ነቲ ገና ሀ ኢሉ ናብ ስልጣን እንትወፅእ ጀሚሩ ክጥቀመሎም ዝፀንሐን ዘሎን መደናገርቲ መብፅዓታትን ምስሉይ ናይ መሰልን ፍትሕን ተጠቃምነትን ተረዲእና ኣንፃሩ ክንቃለስ ይግባእ እንተምንታይሲ መስመር ህወሓት ኢህወደግ  መሰል ህዝቢ ዘረጋግፅ ስለ ዘይኮነ፣