መራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ
ንዝኽተልዎ መስመርን ዕላማን እናግዘፉን እናፀባበቑን ብመጠን ኣብ ወረቐት ኮሓሒሎም ዘስፍርዎ አብ ምትግባሩ ግን ዋላ ሓንቲ ፋይዳ
ዘየምፃኡ ምኻኖም ኣብ ውሽጢ ‘ዞም ዝሓለፉ 23 ናይ ዕድመ ስልጣኖም ተረጋጊፁ’ዩ።
እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ሕገ መንግስቲ
ኣስፊረዮም ብዝብሎም ስማውያን መትከላትን፤ ደንቢ፤ ሕግን ስርዓትን መሰረት መሰል ህዝቢ ከም ዘይተኸበረ፤ መላእ ህዝቢ በቶም ኣብ
ሕገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ዓንቀፃት ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰሉ ከም ዘይተኸበረ፤ እቲ ስርዓት’ውን በቲ ዝረቐቐ ሕገ-መንግስቲ ተማእኺሉን ንዕዑ ተገዛኢ ኮይኑ ከም ዝኸይድን ገይሩ እኳ
እንተገለፀ እቲ ሓቂ ግን ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ኣዝዩ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ።
ስርዓት ኢህወደግ መሰል ህዝቢ ዘየኽብር፤ ፍትሓዊ እሰራርሓ ዘይኽተል፤
ብኽራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባ ዝተጨማለቐ፤ ኣድልዎን ወገናውነትን ከም ልሙድ ኣሰራርሓ ዝኽተል፤ ብሓፈሻ ዓፋንን ፀረ-ዴሞክራሲያዊ
ኣካይዳታት ዝጥቀም ጉጅለ ምዃኑ ካብ ብዓንተውኡ ዝፍለጥን ሕዝውን ነቲ ፀረ ህዝቢ ኣካይድኡ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ከም ዘሎን ገለ ኣብነታት
ምቕራብ ኣገዳሲ ‘ዩ።





ተግባር እዚ ስርዓት ከምዚ እናሃለወ ደአ ንምንታይ’ዩ ወግሐ ፀብሐ ብዛዓባ
ፍትሕን ምኽባር መሰል ህዝብን ኣመልኪቱ ኣብ ፈቖዶ መድረኻት ኣርእስታት እናኸፈተ ዝምደር እንተደኣ ተባሂሉ ግን ቀጥታዊ መልሱ ንገዛእ
ዜጋታቱን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣደናጊሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ’ዩ ዝብል ምላሽ ዝውክሎ እዩ፣
ስለዚ! እዚ ኢ-ፍትሃውን መሰል ህዝቢ ዝዕፍንን ዘሎ ስርዓት ካብ ሃገርና
ንሓዋሩ ንምእላይ ነቲ ገና ሀ ኢሉ ናብ ስልጣን እንትወፅእ ጀሚሩ ክጥቀመሎም ዝፀንሐን ዘሎን መደናገርቲ መብፅዓታትን ምስሉይ ናይ
መሰልን ፍትሕን ተጠቃምነትን ተረዲእና ኣንፃሩ ክንቃለስ ይግባእ እንተምንታይሲ መስመር ህወሓት ኢህወደግ መሰል ህዝቢ ዘረጋግፅ ስለ ዘይኮነ፣