Tuesday, November 11, 2014

ኣብ ከባቢ ዓዉደ ራፍዕ ዝርከቡ መዓልታዊ ስራሕተኛታት ኣመሓደርቲ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ብዘሳወርዎ ሽርሒ ባዕሎም ንባዕሎም ይቃተሉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ካብ’ቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሃገርና መፂኦም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከባቢ ከተማ ዓዉደ ራፍዕ ኣብ ዕለታዊ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ይራኸቡ እዮም ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎም። ካብቲ ከባቢ ንምብራር ክጥዕመሎም ኣብ ዉሽጦም ባእስን ዕግርግርን ክዉላዕ ብምግባር ነንሕድሕዶም ክቃተሉ ይገብሩ ምህላዎም ኣፍሊጡ፣

ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ባእሲ ድማ ብ24 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣርባዕተ ዕለታዊ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምሟቶም። ነዚ ንምፅራይ ብዝብል ምኽንያት ኣካላት ፀጥታ ናይ’ታ ከተማ ልዕሊ 250 ሰራሕተኛታት ንግዝኡ ኣሲሮምዎም ዋላኳ እንተሃለው። ንዕኦም ወሲኽካ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዕለታዊ ሰራሕተኛ ብምልኦም ነናብ ዝመፅእዎ ዓዲ ንምስጓግ ከም መደብ ተታሒዙ ዉሽጣዊ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

እቶም ዝተቐተሉ ወገናት ድማ ። ዓብደላ፤ መኳንንት ችንኮ፤ ዋሸዉ ኣለበልን ራብዓዮም ንግዝኡ ሽሙ ዘይተፈልጠን ዝርከቦም ከም ዝኾኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጡ፣