Tuesday, November 11, 2014

ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኹሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ወሰኽ መሃያ እንትግበረሉ ስለ ምንታይ ንዓና ዘይወሰኸና ብምባል ቅሬትኦም የስዑም ምህላዎም ተገሊፁ፣




    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ጉጅለ ኢህወደግ ኣብ ምእታዉ ሓዱሽ ዓመት ንኹሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ወሰኽ መሃያ ከም ዝተገበረ ዝነዘሖ ወረ ሓሶት ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ’ዚ ሕዚ ስዓት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ንምንታይ ከምቲ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዘይዉሰኸልና ብምባል ፓይሎታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን እቲ ቦርድ ናይ ተቃዉሞ ሰልፊ ንምክያድ ብ14ን 15ን ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ናብ ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ተወለብርሃን ዝተብሃለ ጥርዓኖም ብፅሑፍ ከም ዘቕረቡ ተፈሊጡ፣
     ብድሕሪ እዚ እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ኣድማ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ንምርግጋእ ተባሂሉ ድማ ናይቲ መንገዲ ኣየር ቦርድ ሓላፊ ዝኾነ ኣዲሱ ለገሰ ብ16 ጥቅምቲ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣኪቡ። በጃኹም ፀገምና ተረድኡልና እዛ ሃገር ከምቲ ትዕዘብዋ ዘለኹም ሕፅረት ኢኮኖሚ ኣለዋ ብምባል ክመፃደቕ እኳ እንተፈተነ። እቲ ናይ ስራሕ ደዉ ምባል ኣድማ ይቕፅል ብምህላዉ ኣብ’ቲ ገዛኢ ጉጅለ ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣