Sunday, November 16, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ውድብ ዓረና፤በቲ ገዛኢ ስርዓት ኣባላት ዓረና ኣይኮንኩም ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ኢኹም ትራኸቡ እናተብሃሉ ብፌደራል ፖሊስ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




  ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድብ ዓረና ብፈደራል ፖሊስ ስርዓት ኢህወዴግ ይእሰሩ ምህላዎም  ድሕሪ ምግላፅ እቲ ምኽንያት ድማ እዞም ኣባላት ተቓውምቲ ብህዝቢ ተቐባልነት እናረኸቡ ይኸዱ ስለዘለዉ ኣብ ዝመፅእ መረፃ ከይስዕሩ  እቲ ስርዓት  ስግኣት  ስለዝሓደሮ  ምዃኑ ተፈሊጡ፣

     ካብቶም ብፈደራል ፖሊስ ዝተኣስሩ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባ ዓረና ካብ ዝኾኑ ሓደ ኣይተ ኣማረ ዝተብሃለ ዜጋ  እንትኾን ፤ንሱ  ስለምንታይ ይእሰር ኣለኹ  ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ድማ፤ ንስኻ ኣባል  ውድብ ዓረና  ዘይኮንካስ  ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ዘካይድ ተቓዋሚ  ውድብ ትራኸብ ኢኻ ዝብል ምስሉይ ምኽንያት ብምቕራብ ከም ዝኣሰርዎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት፣