Friday, December 12, 2014

ጉጅለ ኢህወዴግ ብ18 ሕዳር 2007 ዓ/ም ምስ ዴ.ም.ህ.ት ርክብ ኣለኩም ብምባል ብርክት ንዝበሉ ወገናት ከም ዝኣሰረ ምንጭታትና ሓቢሮም።



     ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ንኑፁሃት ሰባት ብዘይ ዉዓልዎ ገበን ምስ ዝተፈላለዩ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ዉድባት ተራኺብኩም ብዝብል እናኣሰረ ከም ዝፀንሐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልቲ ድማ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜናዊ ምዕራብን ምስ ዴ.ም.ህ.ት ብምርኻብ ሙሉእ ደገፍ ክትገብሩ ፀኒሕኹም ብዝብል ምኽንያት ዘይወዓልዎ  ክዛረቡ ኣሲሩ ከቢድ ምርመራ እናካየደሎም ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
    ካብ’ቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ገለ ወገናት ግደይ ካሕሳይ ነባርነቱ ሽረ፤ ይርጋ ሃይለ ነባሪ ከተማ ኣኽሱምን ካልኦት ንግዚኡ ኣስማቶ ዘተፈለጡ ብርክት ዝበሉ  ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ነቲ ስርዓት ይነቕፉ ብምንባሮም ኣብ ዓይኒ ካድረታት እቲ ስርዓት ፀኒሖም ሕዚ ምስ ኣሰርዎም ድማ ምስ ዴምህት ክንተሓባበር ፀኒሕና ኢልኩም ኣብ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ቀሪብኩም ካብ ገይጋኹም ኣምህሩ እኳ እንተበልዎም ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ስለ ዘይኮና ኣይንዛረብን ስለ ዝበሉ ብዝኸፈአ ይሳቐዩ ምህላዎም ተገሊፁ።
   ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ኣብ ትግራይ እቲ ስርዓት የስግኡኒ እዮም ንዝበሎም ኣባላት ዓረና  ምስ ዴምህት ትራኸቡ   ኢኹም ብምባል ጨዉዮም ዝወሰድዎም ወገናት ቤተሰቦም ሓቲቶም ‘ዉን ዛጊድ ኣበይ ከም ዘለው  ከም ዘይተነፀረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።