Friday, December 12, 2014

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ እትርከብ ገለባት ዝተብሃለት ናይ ሱዳን መሬት። ኣብ መንጎ ፌደራል ፖሊስ ኢህወዴግን ፖላዊስ ሱዳንን ብዘተፈጠረ ግጭት ካብ ክልቲኦም 7ተ ፖላዊስ ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።



   ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብ23 ሕዳር 2007 ዓ/ም ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ኮንትሮባንድ ነጋዶ ክንቆፃፀር ኢና ብዝብል ኣብ ስርቂ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፖላዊስ ጉጅለ ኢህወደግ ናይ ኮንትሮባንድ ነጋዶ ረኺብና ኢሎም ክሕዙ ጥይት ኣብ ዝተኮስሉ እዋን ምስ ፖላዊስ ሱዳን ስለ ዝተጋጨዉ ካብ ኣባላት ፖላዊስ ኢህወዴግ ዓሊ መሓመድን ምስግና ኣለባቸዉን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም 4 እንትመቱ ካልኦት 2 ድማ ከም ዝቖሰሉን ብወገን ሱዳን ድማ 3 ፖሊስ ከም ዝሞቱን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
   ብተወሳኺ ድሕሪ እቲ ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ’ቲ ከባቢ ሓያል ወጥሪ ነጊሱ ብምህላዉ ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ከይሰርሕ ኣዝዩ ተሸጊሩ ምህላዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።