Wednesday, December 17, 2014

ህዝቢ ከተማ ማይ ካድራ ብሕፅትረ ሓይሊ መብራህትን ቴሌፎንን ተሸጊሩ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረቦም ጥርዓናት ሰማዒ ኣካል ከም ዝስኣነ ተፈሊጡ።



   ካብ’ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ህዝቢ ከተማ ማይ ካድራ ንነዊሕ እዋን ሽግር መብራህቲ ይፈታሓልና እናበለ ክሓትት ፀኒሑ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት መብራህቲ ዋላ’ኳ እንተኣተወ ብዙሕ ከይፀንሐ ትራንስፎርሞር ናይ’ታ ከተማ ብምቅፃሉ ነባሪ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ሰብ ትካላት ኣዝዮም ተፀጊሞም ምህላዎም ኣብ ዝተገብረሎም ኣኼባ ምዝራቦም ተገሊፁ።
   ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ሓሳቦም ዝገለፁ ዜጋታት ንምጥቃስ፦ ኣይተ ፍስሃ ገ/መስቀል፤ ኣይተ ግርማይ ኣስመላሽ፤ ወ/ሮ ወዘፍ ታፈረን ካልኦትን እንትኾኑ ከም ኣገላልፅ እዞም ወገናት መንግስቲ ተጠቀምቲ መሰረተ ልምዓት ከም ዝኾና ገይሩ ዘቕርቦ ዘሎ ፀብፃብ ትኽክል ኣይኮነ ኣብ’ዛ ከተማ መብራህቲ ካብ ዝጠፍእ ልዕሊ ዓመት ኮይኑ ኣሎ ከምኡ’ዉን ቴሌፎን የብልናን ክብሉ ፀገሞም ዋላእ’ኳ ኣምሪሮም እንተተዛረቡ መራሕቲ ናይቲ መድረኽ ግን ካብ ምስማዕ ወፃኢ ዝኾነ ምላሽ ከም ዘይሃብዎም ክፍለጥ ተካኢሉ።