Wednesday, December 3, 2014

ኣብ ዞባ ኣዊ ንዝነብሩ ሓረስቶትን መምህራንን ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ግንቦት ንዝካየድ ምስሉይ መረፃ ጉጅለ ኢህወዴግ ንኽመርፁ ዘገድድ ኮንፈረንስ ከም ዝተኻየደ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ኣብ ዝርከባ ዝተፋላለያ ወረዳታት ካብ 12 ሕዳር 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ሓረስቶት ኮንፈረንስ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን መፃኢ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መረፃ ብሰላማዊ መንገዲ ክንዕወት እንተኾይና ነቶም ዘለዉ ሽግራት ክንግምግም ንደሊ ኢና ዝብል ኣጀንዳ ብምሓዝ ኮንፈረንስ ኣብ ዝተኻየደሉ ብርክት ዝበሉ ናይ ተቓዉሞ ሕቶታት ከም ዝተለዓሉ ተፈሊጡ።

   ካብ’ቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ክብሪ መዳበሪያ፤ መንገዲ ገጠር፤ መብራህትን ፅሬት ትምህርትን ተበፃሓይነት ዘይምህላዉ ተሸጊርና ን23 ዓመታት ዝኣክል ብተደጋጋሚ ገምጊምና ዝተርኣየ ለውጢ የለን ብምባል ተቓዉምኦም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ግቡእ መልሲ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

   ብተወሳኺ ካብ 17 ሕዳር 2007 ዓ/ም ናይ መምህራን ኮንፈረንስ ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ርእሰ መምህራንን ሱፐር ቫይዘራትን ዝተረኸብሉ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ዝተለዓሉ ሕቶታት፣ መሃያ ዉሒድና፤ ኣብያተ ትምህርቲ ወንበር ተማሃሮ የብለንን፤ ሕፅረት መሰረታዊ ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ ኣሎ ክብሉ ብምረት ከም ዝተዛረቡ ተፈሊጡ።

   እቶም ተኣከብቲ ወሲኾም ካብ ዘለዓልዎ ሓሳብ ብፍላይ ጉርጃ፤ ጃንጉታን ባንጃን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ዘለዉ ፀገም ምሕደራ ዝወለዶም ሽግራት እንተዘይተፈቲሖም ኢህወዴግ ክምረፅ ከም ዘይኽእል ዝጠቐሱ እንትኾኑ ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓላፊ ምሕደራ መሬት ናይ’ቲ ወረዳ ኣይተ የትዋለ ኣንዱኣለምን ሓላፊ ልምዓት ሕርሻ ኣይተ ብርሃኑ ኣያሌዉን ድማ ነቶም ሕቶታት  ግቡእ መልሲ ንዘይምሃብ ጎስየሞ ከም ዝሓለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።