Friday, December 19, 2014

ኣብ ዓዲ ገሹን ከባቢኡን ካብ ሓረስቶት ዝተወረሰ ሰሊጥን መሸላን ኣመሓደርትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ይሸጥዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብ25 ሕዳር 2007 ዓ/ም ኣብ ዓዲ ገሹን ከባቢኡን ሕዛእቲ ሓሪስኩም ብዝብል ምኽኒት ካብ ድኻታት ገባራት ዝተወረሰ ብርክት ዝበለ ሰሊጥን መሸላን እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ጣብያን ኣዘዝቲ ፖሊስን ተሻሪኾም እናሸጡ ይበልዕዎ ምህላዎም ተገሊፁ።
   እቶም ዘይረሃፁሉ እኽሊ ሸይጦም ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ዘውዕሉ ዘለው ካድረታት ናይቲ ስርዓት ድማ ፖሊስ ኣለማዮ ታፈረ፤ ሓላፊ ፀጥታ ካሳሁን ኣለበልን ናይቲ ጣብያ ኣቦ ወምበርን ዝርከቡዎም ኮይኖም፣ እኽልና ብዘይ ኣግባብ ተወሪሱ ንውልቃዊ ረብሓ ኣመሓደርትን ፖሊስን ይውዕል ኣሎ ብምባል ካብ ዝኸሰሱ ሓረስቶት ድማ። ጉዕሽ መኮነን /ካብ ከባቢ ሰለኽለኻ ዝመፀ/፤ ወልደ ዳዊት ተጠምቀ፤ ተኪኤ ጉዕሽ ዝበሃሉ ዝርከብዎም እንተኾኑ  ክሳብ ሕዚ ግን ዋላ ሓንቲ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ የረድእ።