Friday, December 19, 2014

ሰበ ስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ንህዝቢ ትግራይ መቆፃፀሪ ዝኸውን ሓዱሽ ሕጊ ኣርቂቖም ኣብ ተግባር ንኽውዕል ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናብ ዝርከቡ ኣባላቶም ከምዝዘርግሕዎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ህዝቢ ትግራይ ብሰበ ስልጣን‘ቲ ስርዓት ዝወርድ መምርሕን ተኸታታሊ ፅዑቕ ኣኼባን ኣብ ዕለታዊ ስራሕቱ ዕንቅፋት ኮይኖም ኣፀጊሞሙሉ ስለ ዘለው ነቲ ብኣማሓደርቲ ዝቐርብ ፃዊዒት ኣኼባ ነፂጉ ኣብ ስርሑ ይውዕል ብምህላዉ ነዚ ከምዚ ዝበለ ተቓዉሞ መሪሕ ተራ ኣለዎም ንዝበሎም ሰባት ንምቁፅፃር ዘገልግል ሕጊ ኣርቂቑ ናብ ኣባላቱ ንምይይጥ ዘርጊሕዎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ገዛኢ ጉጅለ ነቲ ኣብ ድሮ መረፃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ እምቢታ ህዝቢ ትግራይ ንምሓዝን ንምቁፅፃርን ሓዱሽ ኣዋጅ ብክልል ትግራይ ደረጃ ከም ዝሓንፀፁ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ትሕዝትኡ ድማ ዝኾነ ይኹን ነባሪ ሰብ ካብ ኣኼባ ምስ ዝተርፍ መጀመርያ ብገንዘብ ክቕፃዕ፤ ምስ ዝደግም ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ንኽዳጎን ዘገድድ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰል ዝዕፍን ኣዋጅ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።