Friday, December 19, 2014

ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ዘለዉ ፖላዊስን ሓለፍቲ ፀጥታን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንዝርከቡ እሱራት ለይቲ እናውፅኡ ይቐትልዎም ከም ዘለው ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀለምቲ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ብዝተፈላለዩ ምኽኒታት ንዝተኣሰሩ ንፁሃት ሰባት ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ካድረታት ናይቲ ወረዳ እናተማኸሩ ብለይቲ እናውፅኡ ይቐትሉዎም ከም ዘለው ተሓቢሩ።
   እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ከም ዝገለፆ ነዚ ኣስካሕኻሒ ተግባር ዝተዓዘበ  መለስ ተዘራ ዝተብሃለ ሓደ ናይ ውልቀ ጠበቓ  ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ብፖላዊስ ሰባት እናተቐተሉ ይሓድሩ ኣለው ክብል ስለ ዝኸሰሶም፣ ለይቲ ናብ ገዝኡ እናኣተወ እንከሎ ብ2 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ከም ዝተቐተለን ቀተልቱ ከኣ ኣዘዝቲ ፖሊስ ምስ ካድረታትን ሓለፍቲ ፀጥታን ተመሻጢሮም ፈፂመሞ ብምባል ነባሪ ህዝቢ ብሰፊሑ ይዛረበሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።