Friday, December 19, 2014

ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝነብሩ ሓረስቶት ከገራጩ ዝፀንሐ መሬት ንምፍታሕ ብዝብል ካብ ክልቲኡ ክልላት ዝተዋፅኡ ሰበ ስልጣን ናብቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ከይዶም ብህዝቢ እቲ ከባቢ ተቐባልነት ከም ዝሰኣኑ ተገሊፁ።



   ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለፅዎ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝነብሩ ሓረስቶት ከሰሓሕብ ዝፀንሐ መሬት ንምፍታሕ ብዝብል ካብ ክልል ትግራይ ኪሮስ ቢተው ሓላፊ ገጠር ልምዓት፤ ዘኣማኒኤል ለገሰ (ወዲሻንበል)ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽንን ሓድሽ ዘነበ ሓላፊ ፀጥታን ካብ ክልል ኣምሓራ ድማ ዶክተር ያብባል ያረጋል ሓላፊ ገጠር ልምዓት፤ ይሳቅ ኣያሌው ፀጥታ ሓላፊ፤ መሓመድ ከድር ተወካሊ ፖሊስ ኮሚሽንን ካብ 4 ክሳብ 5 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ናብ’ቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ከይዶም ዋላ’ኳ እንተፀንሑ ብዘይ ሓደ ፍረ ከም ዝተበተኑ ተፈሊጡ።
    እቶም ሰበ ስልጣን ዝኸድዎ ቦታ ግጨውን ከባቢኡን፤ ማርዘነብን ከባቢኡን፤ ማይእንጓን ከባቢኡን ኮይኑ ቅድም ክብል ክንሓርስ ኢና ኣይትሓርሱን ብዝብል ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኡ ክልል ሓረስቶት ግጭት ተወሊዑ ገለ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ‘ውን ምሟቶም ዝፍለጥ ኮይኑ ሕዚ ከኣ እዞም ሰበስልጣን ንጥርር ኣለና ምስ በሉ ብፍላይ ብወገን ክልል ሰለስተ ዝተረኸበ ህዝቢ እቲ መሬት ኣብ ክልልና ስለ ዘሎ ክንሓርሶ ኢና ስለ ዝበሉ እቲ ምጥራር ዝብል ውሳነ ከም ዝፈረሰ ተሓቢሩ።
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ በቲ ከም መፍትሒ ተባሂሉ በቶም ካድረታት ዝቐረበ ውሳነ ዘይተሓጎሰ ህዝቢ ንስኻትኩም ጠሪርኩም ክትዓርቁና ዘይኮንኩምስ ባዕልና ንባዕልና ክተቃትሉና ኢኹም መፂኹም፥ ዋላ እናተቓተልና ክንነብር ኢና‘ምበር ዉሳነኹም ኣይንቕበሎን ድሕሪ ምባሎም  ኣይተ ኪሮስ ቢተውን ዶክተር ያብባልን ድማ በሉ ውሳነና ኣይንቕበልን ካብ በልኩም እዚ መሬት ካብ ሕዚ ንደሓር ካብ ክልቲኡ ክልል ወፃኢ ኮይኑ ብፌደራል ክመሓደር ተወሲኑ ኣሎ ምስ በልዎም  እቲ ህዝቢ ብወገኑ ነቲ ውሳነ ከም ዝነፀጎ ተፈሊጡ።