Friday, December 19, 2014

ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ከተማ ዓድ ግራት ኣጋጢምዎም ዘሎ ፀገም ማሕበራዊ መነባብሮ ንክፍታሓሎም ተቛውሞ ከም ዘካየዱ ተገሊፁ።



ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ተማሃሮ ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ፤ ፅሩይ ዝስተ ማይ መብራህትን ካልኦት ፀገማት ማሕበራዊ ጠለባትን ትምህርቶም ብኣግባቡ ክማሃሩ ከም ዘይከኣሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕፅረት ማሕበራዊ መነባብሮ ንኽፍታሓሎም ድማ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ሰለ ዝሰኣኑ ሓያል ናይ ተቓውሞ ናዕቢ ከም ዘልዓሉን ነቲ   ናዕቢ ንምብታን ድማ ፌደራል ፖሊስ ናብቲ ቀፅሪ ዩኒቨርስቲ ብምእታው ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ ተፈሊጡ።
  ብፍላይ ነቲ ዝፀንሐ ፀገም ማይ ንኽፍታሕ ተባሂሉ ንመኹዓቲ ጎዳጉዲ ማይ  ክዉዕል ዝተሰለዐ ገንዘብ እቶም ኣማሓደርቲ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም ስለ ዘጠፋፍእዎ ከም ውፅኢቱ ድማ እተን ተዃዒተን ዝተብሃላ ጎዳጉዲ ብሙሉእነት ስለ ዘይተሰርሓ እቲ ፀገም ክፍታሕ ከም ዘይከኣለ ተገሊፁ።
  ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ምምሃር ካብ ዝጅምር ሒደት ዓመታት ጀሚሩ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዝተስለዐልና ባጀትና ኣይንጥቀመሉን ዘለና ብኣካላት ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተበሊዑ፤ ብከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ንሳቐ ኣለና ክብሉ፣ ሓያል ተቓዉሞ እናልዓሉ ምምፅኦም ኣብ ናይ ዝሓለፉ ናይ ዜና ፈነወታትና እናገለፅናዮ ምምፃእና ይፍለጥ።