Tuesday, March 17, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ኣውፈርቲ ሰብ ሃፍቲ ናይ ዝወሰድኩሞ መደባርያ ዕዳ ኣብ ሓፂር ግዜ እንተዘይከፊልኩሞ ስጉምቲ ክዉሰደኩም እዩ እናተብሃሉ በቲ ስርዓት ይፈራርሑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣



ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ኣውፈርቲ። ዝወሰድኩሞ ናይ መደባርያ ዕዳ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይ ግድን እንተዘይከፊልኩም ኣብ ልዕሌኹም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና እናበሉ። ካድረታት እቲ ስርዓት የፈራርሕዎም ከም ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ሰብ ሃፍቲ ብወገኖም ሰሊጥ ሓሲሩ ስለ ዘሎ ምስ ከበረ ሸይጥና ክንከፍለኩም ተፀበዩና ዋላኳ እንተበልዎም። ኣብ ዝተብሃልኩሞ ግዜ ትኸፍሉ ብምባል ፍታሕ ክገብሩሎም ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ፣
    ብተወሳኺ እቶም ኣውፈርቲ ብወገኖም ተገዲድና ብዝወሰድናዮ ልቓሕ መዳበርያ ብካድረታትን ኣምሓደርትን ክንፈራራሕ ንዉዕል ኣለና ብምባል። ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ናይ ተቓዉሞ ድምፆም የስምዑ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
     እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገለ ናይ ዕዳጋ ኣፍልጦ ዘለወኦም ወገናት እዚ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ሰብ ሃፍቲ ዝግበር ዘሎ ተፅዕኖ ነቲ ዝሓፈስዎ ሰሊጥ ብሕሱር ዋጋ እቲ ስርዓት ንዝቖፃፀሮ ህይወት ሕርሻ ሜካናዜሽን ከይፈተው ንኽሸጥዎ ዝግበር ዘሎ ሜላ እዩ ክብሉ ይዛረብሉ ከምዘለው ካብ ከተማ ሑመራ ዝበፀሐና ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት፣