Tuesday, April 28, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ በደሌን ነቀምቴን ንግዕዙይ ኣካይዳ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ብ14 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ዝተኻየደ ሓያል ሰልፊ ናብ ምክልኻል ሰራዊት ከይልሑኽ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምህላዎም ተገሊፁ።



    ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነቲ ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ናብ ዝርከብ ሰራዊት ኢህወዴግ ከይበፅሕ  ዝፈርሑ  ሰበ ስልጣን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ካብ 12 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ  ዝኾነ ወተሃደር ካብ መዓስከሩ ከይወፅእን  ከምኡ’ዉን ካብ ዝተመደበሉ ኣሃዱ ናብ ካልእ ኣሃዱ ከይንቀሳቐስን ከይራኸብን ጥቡቕ መምርሒ ናብ ኩለን ኣሃዱታት ከም ዘመሓላለፉ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ህዝቢ ተነፂሉ ብሓይሊ ብረት ጠጠው ኢሉ ብምህላዉ እዚ ሕዚ ብህዝቢ ተላዕዒሉ ዘሎ ናዕቢ ልሒሙ   ብሰራዊት ክድገፍ ስለ ዝኽእል እቲ ስርዓት ናይ መወዳእታ ውድቀቱ ከም ዝኽውን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።