Tuesday, April 28, 2015

ኣብ ግምባር ዛላምበሳ ናይ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት ኣባል ዝኾነ መሓመድ ዝተበሃለ ወተሃደር ስርዓት ኢህወዴግ ሞይቱ ከም ዝተረኸበ ካብ ከባቢ ዛላምበሳ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ናይ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት ኣባላት ዝኾኑ ወተሃደራት በቢዝወፅእዎ ሞይቶም ይርከቡ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ካብ ኣቶም ሓደ መሓመድ ዝተብሃለ ወተሃደር ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ሞይቱ ስለ ዝተረኸበ ኣብ’ቲ ውሽጢ’ቲ ሰራዊት ሓያል ዕግርግር ከም ዝተፈጠረ ድሕሪ ምግላፅ ገሊኦም ኣባላት ሰራዊት ናይ ውሽጥና ኣባላት እዮም ቀቲሎምዎ ክብሉ እንከለው ገለ ድማ ብተቓወምቲ እዩ ተቐቲሉ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ።