Tuesday, April 28, 2015

ኣብ ደቡብ ወሎ ካቢ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝርከቡ ዜጋታትና ኣባላት ቅንጅት ኢኹም እናተብሃሉ ብኣማሓደርቲ እቲ ስርዓት ትካሎም ይምንጠሉ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ፍሉይ ሽሙ ካቢ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታትና ንቅንጅት ደጊፍኩም  እናተብሃሉ ትካላቶም ብኣማሓደረቲ እቲ ከባቢ ይምንጠሉ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብኣቶም ሓደ ጀማል ሓሰን ዝተብሃለ ዝርከቦም እንትኾን ንሱ ንዓመታት  ሰሪሑ ዘጥረያ ትካል ጠሓኒት ብ3 መጋቢት 2007 ዓም ከም ዝተመንጠለን፤ ከም ውፂኢቱ ድማ ምስ ስድርኡ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ቅልውላው ምውዳቑ ተፈሊጡ።
   ንተቓወምቲ ውድባት ደጊፍኩም ብዝብል ምኽንያት ንብረቶም ዝሕደጉን ዝእሰሩን ዘለው ዜጋታትና ኣብ ደቡብ ወሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር’ዩ ብምባል ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።