Saturday, April 25, 2015

ኣብ ወረዳ ፀገዴ ፍሉይ ቦታ ሒላብ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝነባርነቶም ኣስታት 30 ንፁሃት ሰባት። 30 መጋቢት/2007 ዓ/ም በቲ ስርዓት ብዝተዋፈሩ ፍሉያት ሓይሊ ከም ዝተጨወዩ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



    ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀገዴ ዝነብር ህዝቢ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ብዓይኒ ጥርጣረ እናረኣዩ ብዙሕ ምክትታልን ግፍዒን ከብፅሕሉ ምፅንሖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  ከም መቐፀልታ እከይ ተግባሮም ከዓ በቲ ስርዓት ዝተዋፈሩ ፍሉያት ሓይሊ ኣብ’ቲ ወረዳ ፍሉይ ቦታ ሒላብ ኣብ ዝተብሃለት ዕሸል ከተማ ነበርቲ ንዝኾኑ ኣስታት 30 ዝኾኑ መናእሰይ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምሸት ሰዓት 4።00 ብበትሪ እናቐጥቀጡ ጨዉዮም ዝወስድዎም እንትኾኑ። ብፍላይ ከዓ ዘነበ የኔሁን ንዝተብሃለ ሰብ ንበይኑ ነፂሎም ብምዉሳድ ከም ዘሕቐቕዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ’ቲ ዞባ ከተማ ዳንሻ ኣብ ዝርከብ ቤት ማዛገጃ ዋርድያ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቦይ ሓጎስ ብዝብል ዝፍለጥ ተጋዳላይ ነበር።  ብ25 መጋቢት 2007 ዓ/ም ብለይቲ ዘይተፈለጡ ሰባት ሓኒቖም ብምቕታል ደርብየሞ ከም ዝሓደሩ ድሕሪ ምግላፅ። ነዚ ስዒቡ ቀተልቲ ንምፍላጥ ዝተገበረ ምፅራይ ብዘይ ምህላዉ ብልኡዃት ካድረታት እቲ ስርዓት ዝተፈፀመ ሽርሒ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ሓሳባት ኣብቲ ሕብረተሰብ ይዝረበሉ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣