Saturday, April 25, 2015

ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ቦታ ከፋ ዝነብር ህዝቢ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ኣብ ዝተገበረሉ ኣኼባ መሰረተ ልምዓት ብዘይምዝርግሑ ዝበፅሖ ዘሎ ምንግልታዕ መረረቱ የስምዕ ከምዘለው ተሓቢሩ፣



ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ኣብ ከፋን ከባቢኡን ዝነብር ህዝቢ ኣብዚ ቅንያት ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ዝተመርሐ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ድሕሪ ምግላፅ። ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ መፃኢ መረፃ ንዉድብ ደህዴግ/ኢህወዴግ ምረፁ ዝብል ጎስጓስ ኮይኑ። ተኣካቢ ህዝቢ ብወገኑ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ንህዝቢ ዝረብሕ መሰረተ ልምዓት ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ። እቲ ዝርካቡ ኣብቲ ከባቢ ዝፈረየ ከም ቡን ዝኣምሰለ ምህርቲ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ኣዚዩ ከም ዝተፀገመን ንዘይተደለየ ክሳራን ምንግልታዕን ከም ዝቃላዕን ምግላፁ ተፈሊጡ፣
    ብተወሳኺ ኣብ ርሑቕ ከባቢ ክልል ደቡብ ዝነብር ህዝቢ ካብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝተሓረመ ምዃኑን ህዝቢ ከፋ እንተኾነ ‘ዉን ሃፍታም ቦታ እናሃለወ ተኻፋሊ መሰረተ ልምዓት ብዘይምዃኑ። ከም ቡንን ካልኦት ምህርትታትን ኣፍርዩ ናብ ዕዳጋ ዘቕርበሉ ፅርግያ መንግስቲ ብዘይምዝርግሑ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ይነብር ኣሎ ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ምግላፆም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣