Saturday, April 18, 2015

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ፍሉይ ሽሙ ምኹዓት ሳዳ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታትና። ብፖላዊስን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ይግፉዑ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ገሊፆም፣



ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ፍሉይ ሽሙ ምኹዓት ሳዳ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብር ህዝብና። ብፍላይ ድማ መንእስያት ዝፈፀምዎ ገበን  ዘይብሎም ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝሰፈሩ ኣዘዝቲ ምክልኻል ስራዊትን ፖላዊስን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ስለ ምንታይ ብሓደ ትንቀሳቐሱን ትእከቡን ብዝብል  ዒባራ ምኽንያት የጋፍዕዎን ይቕጥቅጥዎን ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
   ካብቶም ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ምኹዓት ሳዳን ከባቢኣን ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ግፍዕታት ዝፍፅሙ ዘለዉ ዕሱባት፦ ኣብ ጣብያ ጠራውር ብስራሕ ፖሊስ ተመዲቦም ዝሰርሑ ተስፋይ ዝተብሃለ ዓዲ ኣርባዕተ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ፤ ምሩፅ የዕብዮን ከምኡ’ውን ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 31 ዝኾኑ ሻምበል ጓሳይ፤  ሻምበል ፅጋቡ /ወዲራያ/ን ካልኦትን  ዕጡቛትን ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ፣