Saturday, April 18, 2015

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ስእነት ቀረብ ናውቲ ትምህርትን ማሕበራዊ ቀረብን ንኽማላእ ዝፅዉዕ ሓያል ተቓዉሞ ኣካይዶም፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ዝተሳተፍዎ ኣዚዩ ብርቱዕ ተቓዉሞ ብ29 መጋቢት 2007 ዓ.ም ከም ዘካየዱ ድሕሪ ምግላፅ። እቲ ተቓዉሞ ተማሃሮ ስእነት ናውቲ ትምህርትን ማሕበራዊ ቀረብን ዝወለዶ ኮይኑ። እቶም ሰልፈኛታት ንዉሽጢ ቀፅሪ ኣናዊፆም ካብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወፂኦም ድምፆም ከስምዑ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሓያሎ ፌዴራል ፖሊስ ነቲ በሪ ዓፅዮም ዙርያ መለሽ ከቢቦም ብበትሪ እናቐጥቀጡ ከም ዝዓገትዎም ተፈሊጡ፣
    እቶም ተማሃሮ ኣብቲ ዘካየድዎ ተቓዉሞ ካብ ዘቃልሕዎ ዝነብሩ ጭርሖ፦ ኣብዚ ዩኒቨርሲቲ ጥሜትን ሽግርን ስቓይ በዚሑ፤ ተማሃራይ ብገንዘብ ወለዱ እዩ ዝምገብ ዘሎ፣ ብሽም ተማሃሮ ዝምደብ ባጀት ኣበይ ይዉዕል ኣሎ?፤ እዚ ዩኒቨርሲቲ ንደረጅኡ ዝምጥን ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ የብሉን፤ ንሽሙ ኢና ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንባሃል’ምበር ብቑዕ ምምሃር ምስትምሃር ኣይወሃበናን፤ መምህራን ናይ’ዚ ዩኒቨርሲቲ ብብቕዓቶም ዘይኮኑ ካድረታት ኢህወዴግ ብምዃኖም ዝተቖፀሩ ድኹማት እዮም፣ ዝብሉን ካልእን የቃልሑ ከም ዝነበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   በቲ ተቓዉሞ ዝተደናገፀ ፕረዚዳንት ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ክንደያ ገብረሂወት ነቶም ተማሃሮ ኣኪቡ ንዘልዓልዎ መሰረታዊ ሕቶ ንጎኒ ጎስዩ ብግዝያዊ ቃላት ኣታሊሉ ከዘሓሕሎም ፈቲኑ እኳ እንተነበረ። እቶም ተማሃሮ ኣብ ዘበገስዎ ሓሳብ ብምፅንዖም ከይተረዳድኡ ከም ዝተፈላለዩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣