እቲ ብ14 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ኣብ ክልል ኦሮሚያ
ብነበርቲ ከተማታት ነቀምቲ፤ ኣረጃ፤ በደሌን ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣምባገነን ስርዓት ኦህዴድ/ኢህወዴግ
ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ድሕሪ ምግላፅ ዕላምኡ ብፀረ-ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ብዝወርዶም ግፍዕን ስራሕ ስእነትን
ተማሪሮም ተሰዲዶም ኣብ ሃገረ ሊብያ ዝተቐተሉ ንፁሃት ኢትዮጵያውያን
ተሓታቲ መንግስቲ ኢህወዴግ እዩ ብምባል ድምፆም ከም ዘስምዑ ተገሊፁ።
በዚ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝስግኡ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ድማ ንከንቲባ ከተማ
በደሌ ምስ ህዝቢ ወጊንካ ነበርቲ ተቓውሞ ንኸካይዱ ገይርካ ኢኻ፤
ስለ ምንታይ ኣቐዲምካ ኣካልት ፀጥታ ክዋፈሩ ዘይገበርካ?፤ ዝብሉን
ካልእን ጠቂኖም ካብ ስራሑ ደው ኣቢሎም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ
ብሓፈሻ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ለውጢ
እንተዘይ ገይሩ ህዝቢ ስደት ምኻድ ደው ከብል ኣይኽእልን ክብሉ
ነበርቲ ኣብ’ቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፆም ተፈሊጡ።