Sunday, April 26, 2015

ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ከተማታት ሃገርና ዕላማ ዉድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት./ ዝሓዘ ፓምፍሌት ተበቲኑ።



ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዕላማን እዋናዊ መልእኽትን ዉድብ ዴምህት ዝሓዘ ፓምፍሌት ኣብ ጎድናታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ኣብ ዓድዋ ብ7 ሚያዝያ ኣብ ከባቢ ምምሕዳር “ፍሾን” መናሃርያን ሰልፊ-ሜዳን፤ ኣብ ከተማ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ፤ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከቡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት፤ ከምኡ’ዉን ኣብ ኣክሱም ብ6 ሚያዝያ ኣብ መናሃርያ ከባቢ እንዳማርያምን ከባቢ ባንኪ ወጋግን ኣብ ዝርከብ መናፈሻን ካልኦት ብበዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝቀሳቐሰሎም ቦታታትን ተበቲኑ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ሕብረተሰብ ንከንብብዎ ዕድል ምርካቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ብናይ ውሽጢ ኣባላት ስርዒት ዴምህት ዝተበተነ ፓምፍሌት ካብ ዝሓዞ ቀንዲ መልእኽቲ “ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ዉፅዓት ኣሕዋቱ ኢትዮጵያ ኮይኑ ን17 ዓመት ዝካየዶ ከቢድ ብረታዊ ቃልሲ ብሰንኪ ንዉልቆም ዝሓስቡ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ተጠሊሙ ፍረ መስዋእቱ ስለ ዘይረኸበ ዉድብ ዴምህት ነዚ ዝተጠለመ ሕድሪ ስዋኣት ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ እቲ መፍትሒ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን ዳግም መስዋእቲ እናኸፈለ ይርከብ። ህዝብና ድማ በቲ ጠላም ስርዓት መፃኢ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ስሉይ መረፃ እዝኒ ከይሃበ ነቲ እንኮ መፍትሒ ብረታዊ ቃልሲ ከሕይሎ ዝፅዉዕ ምኳኑ ተፈሊጡ።   
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማታት ዓዲ-ግራትን መቐለን ንልዕሊ ሰለስተ ግዜ ብተመሳሳሊ መንገዲ ፓምፍሌት ተበቲኑ ኣብ ኢድ መላእ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ዝበፅሓሉ ዓብዪ ብስራትን ተስፋን ክኾኖ እንተሎ ብኣንፃሩ ንካድረታት እቲ ስርዓት ድቃስ ከም ዘስኣኖም ዝረኸብንናዮ ግብረ መልሲ የረድእ።