Friday, April 24, 2015

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኢንቨስትመንት ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ ካልኦት ክልል ዝኾኑ ዜጋታት። ካብ’ቲ ክልል ንኽወፁ ይግደዱ ምህላዎም ተገሊፁ፣



ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ኢንቨስተመንት ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ተወለድቲ ክልላት ትግራይ፤ ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ። ንብዙሕ ዓመታት ከልምዕዎ ዝፀንሑ ሕጋዊ መሬቶም ብኣስገዳድ እናለቐቑ ክወፁ ይግበር ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ንኽለቑ ከም ምኽንያት ዝቐረበሎም ድማ መፃኢ መረፃ ኣብ ክልልኩም ከይድኩም ምረፁ ዝብል እንትኾን። በቲ ካልእ ገፅ ድማ ምምሕዳር እቲ ክልል ነቲ ሒዘሞ ዝፀንሑ ሕርሻ መሬት ንሓደ በዓል ሃፍቲ ዓዲልና ክነልምዖ ኢና ዉፁልና ብምባል ከም ዘፈራርሖምን እቶም ኢንቨስተራት ንዝምልከቶም ኣካላት ምጥርዖምን ተገሊፁ፣
   በቲ ምምሕዳር እቲ ክልል ምፍርራሕ ዝተመልኦ መጠንቀቕታ በፂሕዎም ካብ ዝጠርዑ ኢንቨስተራት ገሊኦም። ኣይተ ዘሪሁን ኣብዩ ዝተብሃሉ ተወላዲ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣