Tuesday, April 28, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ፍሉይ ሽሙ መራኛ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብሩ ሓረስቶት ንተቓወምቲ ውድባት ደጊፍኩም እናተብሃሉ ሕርሻ መሬቶም ይምንጠሉን ይእሰሩን ምህላዎም ተገሊፁ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ነበርቲ መራኛ ዝኾኑ ዜጋታትና ካብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ወፃኢ ንተቓወምቲ ደጊፍኩም ብዝብል ምኽንያት ልዕሊ 46 ዝኣኽሉ ሓረስቶት ብሕጋዊ መንገዲ ተዓዲልዎም ዝተፈላልዩ  ፍራፍረታትን ቃንጫ ሽኮርን ተኺሎም ክጥቀሙሉ ዝፀነሑ ሕርሻ መሬቶም ብኣማሓደርቲ ምስ ተመንጠሉን እቲ ኣትክልቲ ድማ ከም ዝነቐፀን ተገሊፁ።
   ካብ’ቶም ንተቓውምቲ ውድባት ደጊፍኩም ተባሂሎም ብዙሕ ናይ ጉልበትን ገንዘብን ወፃኢታትን ብምግባር ዘዕበይዎ ተኽልታቶም ካብ ዝተመንጠሉ ሰባት ኣይተ ዳርጊ፤ ኣይተ ደጀኔ፤ ወ/ሮ ፋጢ ይመርን ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ድሕሪ ምግላፅ ዝተረፉ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ምህላዎም ተፈሊጡ።