Sunday, April 26, 2015

ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ “ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሊብያ ከይዶም ተቐቲሎም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ነቲ ካልእ መምሃሪ ኮይኖም ኣለው” ክብል ብሚድያ ዝሃቦ መገለፂ ብምቅዋም ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ኣካይዱ፣፣



እቲ ብ14 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ብክልተ ኣንፈት ኮይኑ እቲ ሓደ ካብ ጨርቆስ ተበጊሱ ንመስቀል ኣደባባይ ከም ዝኣተወን እቲ ካልኣይ ድማ መብዛሕትኡ መንእሰይ ወለዶ ዝተሳተፎ ኮይኑ ካብ ልደታ ተበጊሱ ናብ ቤተ መንግስቲ ይግስግስ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።
  ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ይቃልሑ ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት  “ኢህወዴግ ሌባ፤ ንዜጋታቱ ዘይግደስ ስርዓት፤ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሃገሩ ስራሕ ይፈጠረሉ” ዝብሉን ካልኦትን ኮይኖም። በዚ ዝተደናገፁ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ድማ ዕጡቛት ሓይልታት ብምውፋር ነቶም ሰልፈኛታት ክቕጥቅጥዎም ከም ዝጀመሩን ህዝቢ’ውን ብወገኑ ብዝሓዞ በትርን እምንን እናተኸላኸለ  ነቶም ልኡዃት ገዛኢ መንግስቲ ዕጡቋት ጥሒሱ ተቓውሞኡ ከም ዝቐፀለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ዝለዓለ ናዕቢ ከይሰጋገር ዝሰግኡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተርን በብተራ ነቲ ህዝቢ ንምርግጋእ እዚ ብሬድዮ ዝተመሓላለፈ መግለፂ ንመንግስትና ኣይውክልን ንሕና ኣብ መሪር ሓዘን ኢና ዘለና ክብሉ ንብዓት ሓርገፅ ክነብዑ ከም ዝጀመሩ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ዕለት ንደሓር ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ መንግስቲ ኣፍልጦ ከም ዘይህቦን ንዝገበሩ ድማ ኣብ ልዕልኦም ከቢድ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝኾነ መጠንቀቕታ ምሃቡ እቲ ስርዓት ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቱ ዘስፈሮ ባዕሉ ምቅዋም ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።