Wednesday, May 20, 2015

አብ ሃገርና ልምዓት ጥዕና አይተረጋገፀን!!



    ሃገርና ኢትዮጵያ ሕዚ ካብ ዘላቶ ድሕረትን ሱር ዝሰደደ ድኽነትን ምውፃእ ዝከኣል ናይ ህዝብና ኩነታት ጥዕና ብዝተማልአ ምርጋገፅ እንትከኣል ጥራይ’ዩ። ነዚ ክውን ንምግባር ድማ ብትንቢትን ፀሎትን ዘይኮነስ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ከረጋግፅ ዘኽእል፤ ንኩሎም ዜጋታት ጥዕነኦም ሓሊዮም ናይ ምንባር መሰሎም ዘረጋግፅን ነዚ ኣሚኑ ዝሰርሕ መንግስቲ ምፍጣር እንትከኣል ጥራይ’ዩ።
     ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሴክተራት ኢህወደግ ምሉእ ብምሉእ ንህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብር ስርዓት ምፍጣር ስለ ዘይከኣለን ካድረታቱ ከም ዝብልዎ ትካላት ጥዕና ብእኹል ደረጃ ተማሊኦም ኣለው ዋላ እንተበሉ እዚ ንምግባር ግን ዝኾነ ዓይነት ናይ ሞራል ብቕዓት ከም ዘይብሎምን ዕውት ኣብ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከም ዘየለው፤ ኢህወደግ ሃኒፀዮም ዝብሎም ጣብያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ናይቲ ሕብረተሰብ ድልየት ክምልሱ ዘይከኣሉ፤ዓብዪ ናይ ኣገልግሎት መሳርሒ ፀገም ዘለዎምን ንስሙ ጥራይ ኣለው ተባሂሉ ዝዝረበሎም ኩነታት እዩ ዘሎ።
    መሳርሒ ሕክምና፤ መድሃኒት፤ እኹል ዝኾነ ናይ ሕክምና ክፍልታትን ብቕዓት ዘለዎም ሓካይምን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ህንፃታት ስለ ዝተሰርሑን ኣብ ውሽጢ’ቶም ሆስፒታላት በዝሒ ሰብ ሪጋ ሒዙ ስለዝወዓለን ኩሉ ነገር ተማሊኡ ማለት ኣይኮነን። ናብዞም ሆስፒታላት ንሕክምና ኢሉ ዝኸይድ ሕብረተሰብ እዚዩ ከቢድ ምንግልታዕን ናይ ምምሕዳር ፀገምን እንትበፅሖ እዩ ዝረአ።
    ልምዓት ንምስላጥን ዝማዕበለ ኢኮኖሚ ምህናፅ ዝከኣልን ናይ’ቲ ህዝቢ ናይ ጥዕና ኩነታት እንትሕሎ ጥራይ’ዩ፣ ከም ኣባህላ ኢህወደግ ጉዳይ ጥዕና ከም ፍትሓውን ማዕረ ናይ ህዝቢ ተጠቃምነትን ገይሩ ዋላ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዘቐመጦ ዓቕሚ ናይ’ቲ ሃገር ብዝፈቐዶ መጠን ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ንምብፃሕ ቀዳምነት ክህብ እናተገበኦ ነቲ ዝተቐመጠ ፖሊሲን ስትራቴጅን ተራ ፅሑፍ ኮይኑ ክተርፍን ዜጋታት እኹል ኣገልግሎት ሕክምና ንኸይረኽቡ ተገይሩ’ዩ።
    ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ፀገም ጥዕና 80 ሚኢታዊ ዝኸውን ክንከላኸሎ ስለ ንኽእል ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ምውፃእ ንሃገርና ይጠቅም’ዩ ኢሉ ግልፂ ፖሊስን ኣንፈትን ኣነፂሩ ናብ ተግባር ከም ዝኣተወ ወግሐ ፀብሐ ይዛረብ እዩ።
    እንተኾነ ግን እዚ ስርዓት ስልጣን ካብ ዝቆፃፀር ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ምስ ዝነበሩ ጥዕና ጣብያታትን ሆስፒታላትን እንትወዳደር ቁፅሮም ምዕባዮም ከም ሓደ ዓብይ ዓወት ገይሩ እንተተዛረበ እቲ ጭቡጥ ሓቂ ግን ህንፃታት ጥራይ ምህላዎም’በር ነቶም ሆስፒታላት ዝምጥኑ መሳርሒ ሕክምና፤ ሕፅረት ብቕዓት ዘለዎ ሓኪም ብስፍሓት ዝረኣየሉን ብኣንፃር በብዓመቱ እናወሰኸ ዝኸይድ ቁፅሪ ህዝቢ እዞም ተሃኒፆም ተባሂሉ ዝዝረበሎም ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ግልፂ’ዩ።
    ንምጥቕላል ስርዓት ኢህወደግ ንባዕሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ምስ ዝነበሩ ስርዓታት እናወዳደረ ዝዛረበሉ ጉዳይ ልምዓት ጥዕና ዝድነቕ ከምዘይኮነን ከም መንግስቲ ክሰርሖ ዝግበኦ ብዘይምስርሑ ምኽንያት ህዝቢ ብስእነት ሕክምና ኣብ ከቢድ ፀገም ምህላው፤
    መንግስቲ ንዘቐመጦ ናይ ልምዓት ስትራቴጂ ጥዕንኡ ዝሓለወ ህዝቢ ብምፍጣር እምበር ብሕማማት ዝተጠቕዐ ሕብረተሰብ ሒዝካ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ምምፃእ ከም ዘይካኣልን ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ድኽነት ኩነታት ይነብር ብምህላው ብኣንፃር ዘለዎ ጭቡጥ ፀገም እኹል ናይ ኣመጋግባን ኩነታት መነባብሮን ክርከብ ብዘይምኽአሉ ጥዕንኡ ዝተማልአ ማሕበረሰብ ምኹስኳስ ኣይተኻአለን።
   ስለዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ልምዓት ጥዕና እቲ ስርዓት ከም ዘብሎ እንተይኮነስ በደረጃ ፅርየቱ፤ ካብ ብቕዓት በዓል ሞያ ጀሚሩ ክሳብ ቀረብ መድሃኒትን ጠቕላላ ኣብተን ዝርካበን ትካላት ዘሎ ናይ ምምሕዳር ፀገም ኣብ ዝሓመቐ ኩነታት ኣብ ዘለሉ እዋን ብዛዕባ ናይዚ ትካላት ዕብየትን ኩነታት ልምዓትን ኣልዒልካ ዝግበር ክትዕ ትርጉም ክህልዎ ኣይኽእልን።