Thursday, May 21, 2015

ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ንዝርከቡ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ኣኪቦም ዉድብኩም ኣድሕኑ ዝብል ኣኼባ ኣብ ዝገበሩሎም እቶም ተኣከብቲ ከም ዝነፀግዎም ተፈሊጡ።



    ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሽረን ከባቢኣን ዉልቃዊ መነባብርኦም ኣብ ምምራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር። ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝኾኑ ኣባይ ፀሃየ፤ ስዩም መስፍን፤ ሃለቃ ፀጋይ በርሀን ዝተመረሐ ኣኼባ ብ8 ግንቦት 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሽረ ከም  ዝተገብረሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ድማ ደምኩምን ረሃፅኩምን ዘፍሰስክምሉ ዉድብኩም ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ እተድሕንዎ ድማ ንስኹም ኣብዚ መረፃ ብትገብርዎ ሓገዝ ምዃኑ ፈሊጢኩም ሓግዙና ዝብል ከም ዝነበረ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እቶም ተጋደልቲ ነበር ብወገኖም ንስኹም ኣብ ኮረቻ ስልጣን ኮፍ ምስ በልኩም ብዛዕባ ናትና ህላወ ተገዲስኩም ኣበይ ወዲቖም ኢልኩምና ዘይትፈልጡ ሎሚ ብኹሉ ኣንፈት ምስ ፀገመኩም ስልጣንኩም ንምቕፃል ክትብሉ ኣብ ድሮ መረፃ ኣድሕኑና ትብሉና ዘለኹም? ንሕና ካብ ዉድብ ህወሓት ብጀካ ጥልመት ዝረኸብናዮ ረብሓ ስለ ዘየለ ዘዋፅኣና ኢና ንገብር ብኣኹም እናተታለልና ኣይንነብር ስለ ዝበልዎም ካብቲ ኣኼባ ሓፊሮም ብዘይ ፍረ ከም ዝተመለሱ ተፈሊጡ።
    ብተመሳሳሊ ብ10 ግንቦት 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሑመራን ከባቢኣን ንዝነብሩ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ብካድረታት ገዛኢ ስርዓት ዝተፀወዐ ኣኼባ ናብቲ መእከቢ ዝተብሃለ ቦታ ዝከይድ ሰብ ስለ ዘይተረኽበ ንቐፃሊ ንምክያድ ዳግም ዓቕሊ ፅበታዊ ፃውዒት ይገብሩ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።