Thursday, May 21, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን መረፃ ክሳብ ዝኣክል ናብ ጎደና ከይወፁ ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ንወለዲ መጠንቀቕታ ምሃቦም ምንጭታትና ሓቢሮም።



    ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ንነባሪ ሕብረተሰብ እታ ከተማ ኣኪቦም መንስግቲ መረፃ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ምድላዉ ዘተዓናቕፉ ሰባት ናብ’ዛ ከተማ ኣትዮም ስለ ዘለዉ መናእሰይ ይኹኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ መረፃ ክሳብ ዝኣክል ኣብ ጎደና ከይንቀሳቐሱ ወለዲ ዘድሊ ክትትልን ሓለዋን ግበሩ ዝብል ትእዛዝ ሓዘል መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ተፈሊጡ።
    እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ብወገኑ እዚ ስግኣት ፀጥታ እናበልኩም ናብ ሕብረተሰብ ተሸክምዎ ዘለኹም ዘረባ ብኣካላት ፀጥታኹም ክትሰርሕዎ ዝግባእ ድኣ‘ምበር ንሰላማዊ ህዝቢ ዝምልከት ኣይኮነን እቶም ደገ ከይወፁ ትብሉና ዘለኹም መናእሰይ ከኣ እንታይ ክበልዑ ኢና ኣብ ገዛ ክንዓፅዎም ሰሪሕኹም ኣይትብልዑ ኢልካ ዘረባ የለን ብምባል ንሓሳቦም ከም ዝተቓወሞ ምንጭታትና ገሊፆም።