Friday, June 12, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብዚ ቀረባ ዝተኻየደ መረፃ 2007 ዓ.ም ኣመልኪቱ ዝተገለፀ ዉፅኢት ኣይንቕብልን ብምባል ተቓዉሞ የካይዱ ምህላዎም ተገሊፁ።



ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዉን ክልላዉን ናይ ይምሰል መረፃ ዝተሳተፉ ናይ ምዕራብ ጎጃም ነበርቲ ንሕና ዝመረፅናዮ ይዉክለና ዝበልናዮ ሰማያዊ ፓርቲ መርፂና ስለ’ዚ ብዝመረፅናዮ መሰረት ዉፅኢቱ ክግለፅ ኣለዎ ብምባል ተቓዉሞ የስምዕ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ መረፃ መዓልቲ ሓደ ሓደ ናይ መረዳእታ ሕፅረት ዝነበሮም ኣረጋዉያንን ኣንስትን ካድረታት እቲ ስርዓት ንተዓዘብቲ ግምት ከይሃቡ ናብ ምሽጥራዊ ድምፅ መዉሃቢ ብምእታዉ ኣብ ንህቢ ምልክት ግበሩ እናበሉ ከም ዘሰሓሓቱ ምንጭታት ኣረዲኦም።
ዉፅኢት መረፃ ብዘድመፅናዮ መሰረት ክመፃልና ይግባእ ንሕና ባዕልና ንባዕልና እናተሓጋገዝና እምበር ካብ ገዛኢ መንግስቲ ዝተገብረልና ዝኾነ ዓይነት መሰረተ ልምዓትን ሓገዝን ከም ዘየለ ይፍለጥ። ስለ’ዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዉድብ ኣይመረፅናን ብምባል ተቓዉሞ እናስምዑ ካብ ዝርከቡ ዉሽጢ፦ ኣብ ከተማ ባህርዳር ነበርቲ ቀበሌ 10ተ ከምኡ’ዉን ኣብ ወረዳ ቡሬ ቁጪ 01ን ናይ ቀበሌ ሶንቶም ነበርትን ምዃኖም ምንጭታት ኣፍሊጦም።