Friday, June 12, 2015

ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጅጋ ብዝተፈጠረ ምቑራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዙሓት ትካላት ግቡእ ስረሐን ክስርሓ ስለ ዘይከኣላ ሰብ ዋና እተን ትካላት ንክሳራ ምቅልዖም ተገሊፁ።



  ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ 12 ቀበሌታት ዘጋጥም ዝነበረ ናይ መብራህቲ ምቁርራፅ ፀገም ንምፍታሕ ብዝብል ብፈረቓ ክጥቀማ  ምፅንሖን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ኣጠቓቕማ ድማ ካብ ቀበሌ 1 ክሳብ ቀበሌ 5 ዝነብሩ ዜጋታት ብሓደ ን6 ሰዓታት  እንትግልገሉ ካብ ቀበሌ 6 ክሳብ ቀበሌ 9 ዘለዉ ድማ በቲ ካልእ ፈረቓ  እንትጥቀሙ ካልኦት 3ተ ቀበሌታት ድማ ፈፂሞም ተጠቐምቲ መብራህቲ ከም ዘይነበሩ እንተኾኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን  መብራህቲ ኣብታ ከተማ ጠቕሊሉ ስለ ዝጠፍአ ብዙሓት ናይ ንግዲ ትካላት ንክሳራ ብምስጥሖም ሰብ ዋና መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተወለድቲ  ክልል ሶማል  ዝኾኑ መንእስያትን ሃበሻ እናተብሃሉ ዝፅውዑ ብርክት ዝበሉ ነበርትን ኣብቲ ዝሓለፈ መረፃ ንኽመርፁ ምስ ተመዝገቡ  ተወዳዳሪ ዘየብሉ ኣይንመርፅን  ብምባሎም ጥራሕ ብዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት እናተሃድኑ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም።