Wednesday, June 10, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ብበዝሒ ፌደራልን ክልላዊ ፖላዊስ ተጨናኒቓ ከም ትርከብ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ገሊፆም።



     ከተማ መቐለ ነቲ ብኢህወዴግ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ስዒቡ መርፃ ቦርድ እቲ ስርዓት ኣብ ኩለን ዞባታት ክልል ትግራይ ህወሓት/ኢህወዴግ ስዒሩ ኢሉ መግለፂ ድሕሪ ምውፅኡ ኣብ’ቲ ክልል ዝተወዳደሩ ፓርትታት ብፍላይ ድማ ዓረና/መድረኽ ነቲ ውፅኢት ስለ ዘይተቐበሎ በዚ ምኽንያት ህዝቢ ተቓዉሞ ከየካይድ ዝሰገአ ገዛኢ ስርዓት ናይ’ታ ከተማ ፀጥታ ንምሕላው ብዝብል ጉልባብ ካብ ፌደራልን ክልልን ዝመፁ ፖላዊስ ብቀትሪ ምሸት ብረቶም ኣቕኒዕም እናዘሩ ነቲ ነባሪ ህዝቢ ፀቕጢ ፈጢረሙሉ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ፖላዊስ ካብ ከባቢ 17 ቀበሌ፤ እንዳስላሴን እንዳጀወርጊስን ብምብጋስ ናብ ማእኸል ‘ታ ከተማ ከም ዝዋፈሩ ብምግላፅ ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ብፍላይ ድማ ነቲ መንእሰይ ኣብ እዋን ምሸት ስርሑ ንምስላጥን ንምንፋስን ናብ ጎደናታት እንትወፅእ ናይ ሓጠው ቀጠው ሕቶታት ብምቕራብ የጨናንቕዎ ምህላዎም እቲ ዝተረከበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።